ሓፈሻዊ ጥዕናኻ የገድስና እዩ
ሓፈሻዊ ጥዕና እንታይ እዩ
ኣብ ፍጹማዊ ዓለም፣ ኩሉ ግዜ ሕጉሳት ክንኮን ተስፋ ንገብር። ይኹን እንምበር ኣብ ገለ ግዜያትህይወት ፈታኒት ክትኮንን ስምዒታትና ክንቆጻጸሮም ክጽግመናን ይኽእል እዩ። ሓድ ሓደ ግዜ ኩሉ ሰብሕማቕ ስምዒት ይስምዖ እየ፣ ይኹን እምበር እዞም ስምዒታት እዚኦም ካብ ዝተወሰኑ መዓልቲታትንላዕሊ እንተጸኒሖም ወይ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ብዛዕባ ካልኦት ሰባትን ዘለካ ኣተሓሳስባ ክጸልዉእንተጀሚሮም፣ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ክትረክብ ክትሓትት ከድልየካ ይኽእል እዩ።
ጽቡቕ ስምዒት ኣብ ዘይተሰመዓካ ግዜ፣ ንምርግጋዕ ዘኽእለካ ሓገዝ ምሕታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።እንሆ ድማ ኣካላውን ኣእሙሮኣውን ጥዕናኻ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘየለ ንክትፈልጥ ዝሕግዙኻዝተወሰኑ ነገራት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ኣለዉ
- ናይ ሓዝን ወይ ናይ ብኽያት ስምዒት ክስመዓካ እንከሎ
- ኣብ'ቶም ቅድም ክብል ትሕጎሰሎም ዝነበርካ ነገራት ዘለካ ድልየት ምቕናስ ወይ ብኣውራኡድልየት ዘይምርኣይ
- ምስ ካልኦት ሰባት ክትዛረብ ወይ ግዜ ክተሕልፍ ድልየት ምስኣን
- ኣብ'ቶም ዘጋጠሙ ወይ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ነገራት እንዳሓሰብካ ምጭናቕ ወይ ምፍራሕ
- ናይ ስንፍና ስምዒት ምስማዕ ወይ ልዕሊ ዓቐን ምድቃስ
- ንምድቃስ ዘይምኽኣል ወይ ደቂስካ ክትጸንሕ ምጽጋም
- ናይ ምዝንጋዕ ጸገም ወይ ድኹም ክእለት ጠመተ ምግባር
- ስምዒትካን ስጉምቲታትካን ክትቆጻጸር ምጽጋም
- ብቐሊሉ ተናዳዲ ምዃን
ናይ ሓዘን ስምዒት ክስመዓካ እንከሎ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ወይ ካልኦት ዘለካ ስምዒት ክተመሓይሸሎም ትኽእለሎም ዝተፈላለዩመንገዲታት ኣለዉ። ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሒደት ደረጃታት እነሆ። ኣብ ቀጻሊ ሕማቕ ክስመዓካ እነከሎነዛ ህድኣት ትብል ቃል ጥራሕ ኢኻ ክትዝክር ዘለካ። ብ ቋንቋ እንግሊዘኛ፣ ህድኣት ማለት ምዝንጋዕንካብ ጸቕጢ ናጻ ምዃንን ማለት እዩ።
C – Connect (ምስ ሰባት ምርኻብ)
ሕማቕ ስምዒት ክስመዓና እንከሎ ምስ ሰባት ምርኻብ ሓጋዚ እዩ። ብዛዕባ እቶም ዘጨንቑና ጉዳያትዝበለጸ ኣወንታዊ ኣራእያ ክህቡና ይኽእሉ እዮም።
- ክትራኸቦም ትኽእሎም ዝተፈላለዩ ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት፣ ናይ ፎስተር ተኻነኽንኽቲኻ፣ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፣ ወይ ካልእ ኣብ ሂወትካ እወንታዊ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ
- ካብ'ዚ ብተወሳኺ ምስ'ቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ጉጅለታት እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ ወይ ምስ ካልኦት ሰባት ማሕበራዊ ርክብ ምግባር ካብ'ቶምዘጨንቑኻ ነገራት ክትእለ ክገብረካ ይኽእል እዩ
- ወይ ድማ ብቐሊሉ ብመንገዲ ኢንተርኔት ምስ ሰባት ክትራኸብ ምረጽ። ኦንላይን ኣብኢንተርኔት ብዙሓት ክትገብሮም ትኽእሎም ነገራት ኣለዉ፣ ን ኣብነት ከም ፊልሚ ምርኣይ፣ሙዚቃ ምስማዕ ወይ ድማ ዝኾነ ድልየት ዘሕድረልካ ነገር ወይ ክትገብሮ እንከለኻ ፍሰሀ ወይቅሳነት ዝህበካ ነገር።
A – (be) Active (ንቑሕ ኩን)
ሕማቕ ስምዒት ክስመዓካ እንከሎ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምግባር ወይ ጽሩይ ኣየር ክትወስድ ከድልየካይኽእል እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕና፣ ጭንቀትን ሓዘንን ምቕናስ ሓዊሱ፣ እወንታዊጽልዋ ከምዘለዎ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ። ናብ'ቲ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ፓርክ ክትከይድ ወይ ኣብ ዙርያመንበሪ ከባቢኻ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክትገብር ትኽእል። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ናብ ከም ናይ እግሪ ኩዕሶ፣ማርሻል ኣርት ዝበሉ ምስ ሓደሽቲ ሰባት ናይ ምርኻብ ዕድልካ ክውስኽ ዝገብሩን ሓፈሻዊ ጥዕናኻክመሓየሽ ዝገብሩን ናይ ስፖርት ከለባት ክትጽንበር እውን ትኽእል ኢኻ።
L – Let Out (your emotions by expressing your creativity) (ምህዞታትካ ብምጥቃም ውሽጣዊ ስምዒትካ ግለጽ)
ካብ ስነ-ጥበብ ንላዕሊ ስምዒትና ክገልጸልና ዝኽእል ነገር የለን። ክትገብሮም ትኽእሎም ዝተፈላለዩንጥፈታት ኣለዉ። ንኣብነት፡
- ስእሊ ምስኣል
- ምስዕሳዕ
- ድርፊ ምድራፍ
- ምስፋይ
- መግቢ ምብሳል
ካልኦት ብዙሓት ነገራትን…
መብዛሕቲኦም ከም Edward Munch ወይ Picasso ዝበሉ ዓበይቲ ስነ-ጥበበኛታት ስምዒታቶም ብስነ-ጥበብ ኣቢሎም ክገልጹ ክፍትኑ እንከለዉ እዮም ዓበይቲ ስራሕቲ ከበርክቱ ዝኸኣሉ።
M – Meditate/Mindful (ብምስትንታን/ብትኹረት ግዜ ኣሕልፍ)
እንተደኣ ጭንቀት ወይ ቀጸሊ ዝኾነ ሕማቕ ስምዒት ይስመዓና ኣሎ ኮይኑ፣ ብቐሊሉ ኢና ኣካላዊጥዕናናን ሓሳባትናን ናይ ምቁጽጻር ተኽእሎናን ንስእን።
ክትዘናጋዕን ክትነቓቓሕን ዝገብረካ ናይ ኣተነፋፍሳ ልምምድ ክትፍትን ከድልየካ ይኽእል እዩ። Childline(ንቖልዑ ሓገዝ ዝህብ መስመር ሓገዝ) ኣብ'ዚ ጉዳይ ደገፍ ክህበካዝኽእል ተዋሳኣይ መሳርሒየቕርብ እዩ።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ፣ እቶም ዝመጹኻ ሓሳባት ኣብ ደፍተር ክትጽሕፎም እውን ሓጋዚ ኮይኑ ክትረኽቦትኽእል ኢኻ። ድልዊ ኣብ ዝኾንካሉ ግዜ ምልስ ኢልካ ምስ ካልኦት ሰባት ክተካፍሎም ትኽእል ኢኻ።
ሓገዝ ንምርካብ ናበይ ምኻድ ከም ዝከኣል
እቲ ማሕበራዊ ስራሕተኛኻን ናይ ፎስተር ሓብሓቢኻን ምስ'ቶም ቅኑዓት ኣገልግሎታት ከራኽቡኻድልዋት እዮም። እንተደኣ ብዛዕባ እቶም ዘጨንቑኻ ንገራት ንዓኣቶም ክትነግሮም መሪጽካ፣መፍትሒታት ኣብ ምርካብ ክሕግዙኻ እዮም።
ሓገዝ ንምርካብ ምሕታት ወይ ሓገዝ ምርካብ ናይ ድኽመት ምልክት ኣይኮነን እኳ ደኣስ ኩላትናብኻልኦት ሰባት ሓገዝ ክንረክብ እንከለና ኢና ዝሓሸ ዝስመዓና።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ ሕማቕ ስምዒት ክስመዓካ እንከሎ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ካልኦት ኦንላይን መድረኻትእውን ኣለዉ እዮም።
ወይ ድማ ነዞም ናይ ሓገዝ መስመራት፣ እንተደሊኻ ዋላ ስምካ ከይተጠቕሰ እቶም ዘጨንቑኻ
ጉዳያትን ስክፍታትካን ክተካፍለሎም ትኽእለሎም ውሑሳት ቦታታት እዮም:
- Samaritans (ናይ ሓገዝ መስመር) –ናይ ስምዒት ጸቕጢ ኣብ ምቁጽጻር ሓገዝ እንተደሊኻ፣ናብ 116 123 ደውል፣ 24 ሰዓታት ክርከቡ ዝኽእሉ እዮም
- Shout (ናይ ሓገዝ መስመር)- እንተደኣ ካብ'ዚ ንላዕሊ ኣይክእልን ኢልካ ሓሲብካ ወይ ኣብቁልውላው እዬ ዘለኹ ኢልካ ሓሲብካ፣ ናብ 85258 ‘SHOUT’ ኢልካ ሓጺር ናይ ጽሑፍመልእኽቲ ለኣኽ።
- Papyrus (ናይ ሓገዝ መስመር) – ዓርሰ ቕትለት ናይ ምግባር ሓሳባት እናመጹኻ ትጽገምእንተደኣ ሃሊኻ ኮይንካ፣ ናብ 0800 068 4141 (10am (ንጉሆ) -10pm (ድሕሪ ሰዓት)) ደውል