መእተዊ ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

Image
A person taking part in a community art project

እዚ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ዝተተርጎሙ ሰነዳት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምርዳእን ምርጫታት ንምግባርን ድማ ዝሕግዝ እዩ።

ወለንታዊ ስራሕ እንታይ እዩ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት፡ ትካላትን መንግስታትን ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ ብኸመይ ይሓስቡን ኣብ ግብሪ የውዕሉን ዓቢ ፍልልያት ኣሎ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ እንተደኣ ኣብ ሓደ ውልቀሰብ፣ ማሕበረሰብ ወይ ኣብ'ዛ እንነብረላ ዓለም ኣወንታዊ ለውጢ ዘምጽእ ዝኾነ ነገር ብዘይ ክፍሊት ክትሰርሕ መሪጽካ ኮይንካ፣ እዚ ከም ወለንታዊ ስራሕ እዩ ዝቑጸር።

ወለንታዊ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ዶ፧

እወ! ዝኾነ ሰብ ወለንታዊ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ኣብ'ዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ሚኢታዊ ሰባት ኣብ ሂወቶም ኣብ ዝኾነ ግዜ ንማሕበረሰባትን ንፕሮጀክትታትን ንምድጋፍ ወለንታዊ ስራሕ ይሰርሑ እዮም።

  • ዑቕባ ኣብ ምሕታት እንዳሃለኻ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ

  • ናይ ስደተኛነት ኩነታት እንዳሀለወካ እውን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ

  • ረብሓታት ክትረክብ ሕቶ ኣብ ምቕራብ እንዳሃለኻ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ

ንምንታይ እዬ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ዝሳተፍ፧

ኣካል ናይ ኣብ ማሕበረሰብካ ለውጢ ንምምጻእ ትሰርሕ ጉጅለ ክትከውን ብወለንታ ክትሰርሕ ትደሊ ትኸውን። ካብ'ዚ ብተወሳኺ፡ እንተደኣ ኣብ ጽቡቕ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ዕድል ረኺብካ ተሳቲፍካ፡ ዕርክነት ክትፈጥር፡ ምስ ከባብያውያን ከባቢታትን ባህልታትን ክትራኸብን ክእለትን ተመኩሮን ክትሃንጽን እውን ትኽእል ኢኻ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ እቲ ተካይዶ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ደረጃ ጽርየት ሂወትካ፣ ጥዕናኻን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካን ከመሓይሽ ዝኽእል እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ‘ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጽቡቕ ወለንታዊ ስራሕ ንምስራሕ መደብ ኣለዎ’ ዝብል ናይ ሓበሬታ ወረቐትና ርአ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ወለንታዊ ስራሕ ዘይቑጸር እንታይ እዩ፧

  • ኣብ መብዛሕቲኡ ግዜ ብኽፍሊት ዝስራሕ ስራሕ ትሰርሕ እንተሊኻ እሞ ንኻልኦት ዝኸበሩ ረብሓታት ክትብል ካብ ክፍሊት ናጻ ትሰርሖ እንተለኻ

  • ብዘይ ደመዎዝ ክትሰርሕ ትግደድ እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ

  • ንሓደ ናይ ቀረባ ዘመድ ወይ ንግዳዊ ትካል ንምሕጋዝ ክትብል ትሰርሖ እንተለኻ

  • እንተደኣ ክፍሊት ዘይብሎም ናይ ኢንተርንሺፕ ስራሕቲ ወይ ናይ ስራሕ ልምዲ ምደባታት ስራሕ ትስርሕ ኣለኻ ኮይንካ

ኣበይ ወለንታዊ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ዶ፧

ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት (NGOs)፣ ጉጅለታትን ትካላትን ዝቐርቡ ብዙሓት ናይ ወለንታዊ ስራሕ ዕድላት ኣለዉ። እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ዘካትት እዩ:

  • ኣብ ስነ-ጥበብን ባህልን፣ ስፖርት፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን፣ ትምህርቲ፣ ልምዓት መንእሰያትን ማሕበረሰባትን፣ ውዳበታት ከባቢ፣ ተፈጥሮን እንስሳታትን፣ ህጹጹ ኣገልግሎታት፣ ፖሊስን ዕጡቓት ሓይልታትን ዝርከቡ ብወለንታ ናይ ምስራሕ ዕድላት።
  • ኣብ ጎድኒ ዝተወሰኑ ጉጅለታት ብወለንታ ናይ ምስራሕ ዕድላት፡ ንኣብነት ኣብ ጎድኒ ኣረጋውያን ወይ ናይ ስደት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት።
  • ኣብ ሓደ ፍሉይ ጉዳይ ብወለንታ ናይ ምስራሕ ዕድላት፣ ንኣብነት ኣብ ድኽነት፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኩነታት ጥዕና ወይ ዲጂታላዊ ተነጽሎ።
  • ብክእለታት ወለንታዊ ስራሕቲ ናይ ምስራሕ ዕድላት፣ ን ኣብነት፡ ኣብ ንድፊ፣ መኪና ምግናሕ፣ ኣካውንቲንግ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ (IT)፣ ትርጉም፣ ጥዕና ወይ ምምሃር። ምናልባት ድማ ምስ'ቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዎ ጉዳይት ወይ ጠለባት ዝግደሱ ጎረባብቲ ወይ ካልኦት ሰባት ብሓባር ምምጻእ ብዙሕ ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ተሳትፎ ክትገብር ትመርጽ ትኸውን።

እቶም ንዓኻ ዝቐርቡ ዕድላት ከም እቲ ትነብረሉ ቦታ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ጉዳያት ዝተመርኮሱ እዮም። እቶም ኣብ'ዚ ቐረባ እዋን ዝመጹ ናይ ርሕቀትን ናይ ኦንላይን ወለንታዊ ስራሕቲ ብዙሓት ዕድላት ዝኸፍቱልካ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ስሩዕ ወለንታዊ ስራሕቲ

ስሩዓት ናይ ወለንታዊ ዕድላት ነቶም ፍሉይ ዕማማት ብፍሉይ መንገዲ ንኽሰርሑ፡ ንሓደ ትካል ዕላማ ንኽወቅዕ ንምሕጋዝ ዝስልጥኑን ዝድገፉን ወለንተኛታት ዘጠቓልሉ እዮም።

ኣብ ከይዲ ስሩዕ ተራ፣ ብ ሓደ ወለንታዊ ኣካያዲ ስራሕ ክትትል ዝገበረልካ ኮይኑ ኣብ ጎድኒ ብክፍሊት ዝሰርሑ መሳርሕቲን ካልኦት ወለንታውያን ኮይንካ ስራሕቲ ወለንታ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። እቶም ክትሰርሖም ትኽእሎምን ዘይትኽእሎምን ጉዳያትን እቲ ፕሮጀክት ድማ ብኸመይ ከም ዝመሓደርን በቲ ናይ'ቲ ትካል ሓላፍነታት፣ ፖሊሲታትን ክምኡ ድማ ንመወልቲ፣ ተሓጋገዝቲ ፕሮጀክትን ማሕበረሰባትን ዝኣተዉዎ ቃል ዝጽለዉ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ክትሳተፍ እንተደሊኻ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ስምምዕን ናይ ስነ-ምግባር ኮድን ክትፍርም ኣለካ ማለት እዩ። እዚ ውዕል ኣይኮነን።

መብዛሕቲኡ ግዜ ትካላት ነዞም ዕድላት እዚኦም ብምግዋሕ ብ ናይ ምልክታ ቅጥዒ ወይ ብዝተቐድሐ ቪድዮ ኣቢልካ ክተመልክት ክዕድሙኻ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ እቲ ምልክታ፣ ናብ ቃለ-መሕትት ክትዕደምን ነቶም ዝካየዱልካ ናይ 'ድሕረ ባይታ መርመራታት' ክትሰማማዕ ክትሕተትህን ትኽእል ኢኻ (ኣብ መእተዊ ድሕረ ባይታ ምጽራይ ዝምልከት ሓበሬታ ወረቐትና ርአ)።

እንተደኣ ነቲ ተራ ክትጻወት ዕድል ተዋሂቡካ ኮይኑ፣ ኩሉ ነገር ከመይ ከምዝሰርሕ መብርሂ ዝህብ ኩለመዳያዊ መእተዊ ሓበሬታ ክወሃበካን፣ ን ጉዕዞ፣ ሻሂ/ቡንን ቅልል ዝበለ መግብን ምውሳድን ዘልድየካ መሳርሒ ንምግዛእ ዘድልየካ ወጻኢታት ዝሽፍነልካ ገንዘብ ክወሃበካ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። ተሳታፍነትካ ንምርግጋጽ ዝቐርቡ ካልኦት ሓገዛት ኣውን ክህልዉ ይኽእሉ፣ ን ኣብነት፣ እቲ ትካል ናይ ክንክን ቆልዓ ወይ ናይ ዳታ ክፍሊታት ክሽፍን ይኽእል እዩ። ቀጻሊ ዝኾነ ደገፍን ስልጠናን ክትረክብን 2 Tigrinya ከምኡ ድማ ነቶም ናይ ወለንታዊ ስራሕቲ ሓለፍቲ ኣብ መጻኢ ስራሕቲኻ ከም መወከሲ ጌርካ ናይ ምጥቃም ክእለት ክህልወካ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ።

ትካላትን ሰበ ስልጣናትን ስሩዓት ናይ ወለንታዊ ዕድላት ንምፍጣር ብዙሓት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉዎም። ዕድል ዝፍጠረሉ ምኽንያታት ኣብ ተመኩሮ ወለንታዊ ስራሕ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል። ን ኣብነ፣ እንተደኣ ኣብ ሓደ ትካል ክገብሮም ዝኽእሎም ነገራት ንምንዋሕ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፕሮጀክት በወልንታዊነት ክትሰርሕ ትሳተፍ ኮይንካ፣ ካብ'ቲ ብዋንነት ነቲ ወለንተኛ ንምጥቃም ተባሂሉ ዝዳሎ ፕሮጅከት ፍልልይ ከምዘለዎ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል እዩ።

ዘይስሩዕ ወለንታዊ ስራሕ

ሰባት ነንሓድሕዶም ንምድግጋፍን ንጉዳያት ንምፍታሕን ምስ ዕላማ ብምግባር ምስ ኣዕሩኽቶም፡ ጎረባብቶም ወይ ናይ እምነትን ማሕበረሰባዊ ጉጅለታትን ብሓባር ኮይኖም ክዋስኡ እንከለዉ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ‘ዘይስሩዕ ወለንታዊ ስራሕ’ ተገይሩ እዩ ዝርአ።

ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበረሰባት ወይ ብዙሕ ስሩዕ ዘይኮነ መንገዲ ብወለንታ ዝሰርሑ ሰባት፡ ንነብሶም ከም ወለንተኛታት ናይ ምልላይ ተኽእሎኦም ትሑት ኮይኑ፡ ምቹእ ኮይኑ ዝስምዖም ወይ ድማ ነቲ ዝሰርሕዎ ብዝያዳ ብግብራዊ መንገዲ ዝገልጽ ሓረግ፣ ን ኣብነት ከም ‘ኣብቲ ማሕበረሰብ ምክፋል '፡ 'ሓገዝ'፡ 'ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ '፡ ወይ 'ብሓባር ስጉምቲ ምዋሳድ' ዝኣምሰሉ መግለጺታት ናይ ምጥቃም ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

መብዛሕቲኡ ግዜ ዘይስሩዕ ወለንታዊ ስራሕ ዝስራሕ ሰባት ነቶም ናይ ሓባር ጸገማቶም ንምፍታሕ ኣብ ማሕበረሰቦም ዘለዉ ጸጋታት ተጠቒሞም ብሓባር ክሰርሑ እንከለዉ እዩ።

ብታሪኽ ድማ፣ እቶም ሰበ ስልጣናትን መወልቲን ብዘይካ ኣብ ከም ናይ ኮቪድ ግዜ ዝበሉ ናይ ቅልውላው እዋናት፣ ካብ'ቶም ዘይወግዓዊ ዘይወግዓዊ ወለንታዊ ስራሕ ዝሰርሑ ብዝተፈለየ አገባብ እዮም ስራሖም ዝሰርሑ። እቶም ዘይስሩዕ ብዝኾነ መገዲ ናይ ወለንታዊ ስራሕቲ ዝሰርሑ ወለንተኛታት ጽቡቕ ነገር ክገብሩ ኣብ ዝረኣዩሉ ግዜ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ስሩዕ ትካል ንምዃን ስጉምቲ ክወስዱ ይተባብዑ። ንገለ ጉጅለታት ነዚ ለውጢ እዚ ምግባር ብሓቂ ይሰርሕ እዩ፡ ንገሊኦም ድማ እዚ ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ዝወስድን፡ ንመበቆል፡ ባህልን ክብርታትን ፕሮጀክቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ማለት ክኸውን ይኽእል።

ዋላኳ እቶም ኣብ ዘይስሩዕ ስራሕቲ ወለንታውነት ዝነጥፉ ሰባት ኣብ ማሕበረሰባትና ልዑል ኣበርክቶ ዘለዎም እንተኾነ፡ እዞም ዘይስሩዕ ብዝኾነ ኣገባብ ወለንታዊ ስራሕቲ ዝሰርሑ ወለንተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ከምቶም ኣብ ስሩዕ ወለንታዊ ስራሕ ዝነጥፉ ወለንተኛታት ተመሳሳሊ ብልጫታት ኣይረኽቡን’ዮም፡ ወይ’ውን ብመንጽር ስልጠናን ምዕባለን፡ መወከሲታት፡ ወጻኢታት፡ ሽልማትን ካልእን ተመሳሳሊ ደገፍ ኣይረኽቡን።

ዘለኒ ተሞክሮ ናብራ ምክፋል

ከም ሓደ ናይ ናብራ ተሞክሮ ዘለዎ ሰብ ዘለካ ፍልጠት ምክፋል ብወለንታዊ መገዲ ወይ ድማ ከም ዝኽፈሎ ኣማኻሪ ኮይንካ ክግበር ዝኽእል እዩ። 3 Tigrinya ንኣብነት ከም ሓደ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጸ ሰብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ምጥቃም ተመኩሮ እንተሃልዩካ፣ እቶም ኣዳልወቲ ውጥን መጎዓዚያ ዝሓሸ ስራሕ ንኽሰርሑ ክሕግዞም ዝኽእል ብዙሕ ፍልጠት ክህልወካ እዩ። ካብ'ቲ መንነትካን ዘለዉኻ ተሞክሮታትን ዝተልዓለ፣ ካልኦት ሰባት ክገብሩዎ ዘይካሉ፣ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት፣ ብድሆታት ወይ ዕድላት ኣብ ምልላይ ክእለት ክህልወካ ይኽእል እዩ። 

ነዚ ንጥፈት እዚ ኣብ ምግላጽ ን ከም 'ተሳትፎ'፣ 'ምትሕግጋዝ'፣ 'ድምጽኻ ክስማዕ ምግባር' ወይ 'ጽልዋ ምሕዳር' ዝኣምሰሉ ቃላት ወይ ኣገላልጻታት ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ኣብ ገለ ግዜያት 'ካብ ልምዲ ዝብገስ ክእለት ዘለዎም ሰባት' ተባሂሎም ይግለጹ።

እዚ ድማ ነቲ ካብ ተሞክሮኻ ዝረኸብካዮ ክእለት እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዝህቡን ንምንታይን ብኸመይን ከምዝገብሩዎ ንምምራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ብምዃኑ ካብ መብዛሕቲኦም ናይ ወለንታዊ ንጥፈታት ዝተፈለየ ይገብሮ። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ‘ተሳትፎ እንታይ እዩ’ ዝብል ናይ ሓቅታት ዝሓዘ ወረቐት ርአ

ሓጺር ታሪኽ ወለንታዊ ስራሕቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

እዚ ክፋል እዚ ሰባት ወለንታዊ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ንኽርድኡ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ። እዚ ድማ ሰባት ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ እንታይ ከምዝሓስቡ ንምርዳእን እቶም ብዛዕባ ወለንታዊ ስራሕ ብዝምልከት ዘለው ናይ ሓባር ኣራእያታትን ነቐፌታታት እንታይነት ኣብ ምርዳእ ድልየት ከሕድረልካ ይኽእል እዩ። እንተደኣ ብቐጥታ ናብ'ቲ ኣብ ወለንታዊ ስራሕ ብኸመይ ምስታፍ ከምዝከኣል ዝምልከት ሓበሬታ ክትሰግር ደሊኻ፣ ነቶም ካልኦት ዘዳለናዮም ናይ ሓበሬታ ሉሓትና ‘ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጽቡቕ ወለንታዊ ስራሕ ንምስራሕ መደብ ኣለዎ’, ን ‘መእተዊ ንድሕረ ባይታ ምፍታሽ’ ክትርኢ ንላበወካ።

ብታሪኽ ከም ካልኦት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ሰባት፣ መንግስትን ምምሕዳራት ከባቢን ዘየማልእዎም ድልየታት ኣብ ምምላእ ንምሕጋዝ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበረሰቦምን ከባቢኦምን ገለ ተወሰኽቲ ነገራት ንምውሳኽን ብሓባር ሰሪሖም እዮም።

ዋላኳ መብዛሕቲኡ እዚ ወለንታዊ ስራሕ ናይ'ቶም ሰብ መዚ ስራሕ ዝሕግዝ ይኹን፣ ተራ ሰባት ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኮይኖም ንለውጢ ጎስጓስ ዝገበሩሉ ወይ ጸገማት ንምፍታሕ ናጻ ዝኾነ መገዲ ዝፈጠሩሉ ታሪኽ እውን ኣሎ እዩ።

ኣብ'ዚ ሎሚ ግዜ፣ ቤት ምኽሪታትን መንግስታትን ኣብ ምፍጻም ኣገደስቲ ንጥፈታትን ኣገልግሎታትን ከምኡ ድማ ከም ኦሎምፒክ ዝበሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ኣብ ምድላው ሓገዝ ወለንተኛታት ክጠልቡ ልሙድ ኩነት እዩ።

ካብ'ዚ ብተወሳኺ ወለንታዊ ስራሕ ከም ሓደ ሰባት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም፣ ማሕበራዊ ርክባቶምን ጥዕናኦምን ድሕንነቶምን ዘመሓይሹሉ ተግባር ተገይሩ ብ ናይ ሕክምና ዶክተራትን ናይ ደገፍ ሰራሕተኛታት ብወለንታ ንኽሰርሕ ዝመኸረ እናተለመደ ዝመጸ ኩነት እዩ።

ኣብ ሕሉፍ ብዙሓት ትካላት ነቶም ናጻ ግዜ፣ ናጻ ምርጫን ጸጋታትን ዘለዉዎም ሰባት ዝምቹዉ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ዕድላት ኣድልዮም እዮም። እዚ ድማ እቶም ውሑድ ጸጋታት ዘለዎም ወይ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜኦም ጸቕጢ ዘለዎም ሰባት ብወለንታዊ ስራሕ ኣቢሎም ረብሓን ኣበርክቶን ክህቡ 4 Tigrinya ኣጸጋሚ ኮይኑዎም ጸኒሑ እዩ። ኣብ'ዚ ሐዚ እዋን፣ ካብ ብዙሕ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ብዘርእዩዎ ናይ ርእይቶ ምሃብን ኣመራርሓን ዝተበገሰ፣ ብዙሓት ናይ ወለንታዊ ስራሕቲ ትካላት ብዝበለጸ ውሑሳት ዝኾኑ፣ ብዝበለጸ ተበጻሕቲ ዝኾኑን ብዝበለጸ ድማ ክትጽንበሮም ሰሓብቲ ዝኾኑን ናይ ወለንታዊ ስራሕ ዕድላት ኣብ ምፍጣር ይርከቡ።

ኣብ'ተን ዝመጻ ዘለዋ ዓማውቲ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ወለንተኛታት ኣብ ብዙሓት ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ኣብ'ተን ኣብ ማሕበረሰብና እናዓበያ ዝኸዳ ዘለዋ ጠለባትን ሓገዝ ከበርክቱ ብተደጋጋሚ ዝጽውዑሉ ዕድል እናዓበየ ክኸይድ እዩ። እዚ ድማ ሰባት ክረኽቡዎን ክርብሑሉን ዝኽእሉዎ ዓይነት ወለንታዊ ስራሕ ክበዝሕ ዝገብር እዩ።

ነቶም ክሰርሑ ዘይክእሉ ግን ድማ ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉን ነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ህይወት ክህልዎም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡን ሰባት፣ እዞም ኣብ ምዕባይ ዝርከቡ ዕድላት ወለንታዊ ስራሕ ኣብ'ቲ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብ ብዝበለጸ ንቑሓት ኮይኖም ክሳተፉ፣ ግዜኦም ብግቡእ ክጥቀሙሉን ናይ ገዛእ ርእሶም ድልየታትን ሕልምታትን ንምዕዋት ዘኽእሉዎም ጹቡቓት መገዲታት ክኾኑ ይኽእሉ።

እዚ ናይ ሓበሬታ ሉሕ ብMigration Yorkshire ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዝተጽሓፈ እዩ። እንተደኣ ዝኾኑ ሕቶታት ኣለዉኻ ኮይኖም፣ ምሳና ክትራኸብን ንሕና ድማ ዝከኣለና ክንሕግዘካን ንላበወካ። admin@migrationyorkshire.org.uk ወይ 0113 378 8188

Logo for Asylum Migration and Integration Fund

Logo for Refugee Integration Yorkshire and Humber

Contact us

For more information, please contact us at:
admin@migrationyorkshire.org.uk