ተሳትፎ ስደተኛታት እንታይ እዩ ስለምንታይ'ከ እዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፧

Image
A refugee woman with a loudspeaker

 

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ቁጽሮም ካብ ናብ ግዜ ዝዛይድ ኣገልግሎታት ነቶም ዓማዊሎም ድምጾም ዝስምዓሉ ዕድልን እቶም ኣገልግሎታት ብኸመይ ከምዝቐርቡ ንምጽላው ዘኽእሉዎም ዕድላት ኣብ ምሃብ ይርከቡ። እዚ ድማ 'ተሳትፎ' ይበሃል። እዚ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ተሳትፎ ማለት እንታይ ከምዝኾነን ንዓኻን ነቶም ትጥቀሞም ኣገልግሎታትን ዝህቦ ረብሓ እንታይ ከምዝኾነ መብርሂ ዝህብ እዩ።

ኣብ ዮርክሺር ከምኡውን ሃምበር ክትበጽሕ እንከለኻ፣ ህይወትካ ኣብ'ዚ መሊስካ ክትሃንጽ ዘኽእሉኻ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ። እዚኦም ድማ ናይ ጥዕና ክንክን፣ ትምህርቲ፣ ኣብያተ መጻሕፍቲ፣ መንበሪ ገዛ፣ ስራሕቲ ግብረ ሰናይን ካልኦትን ዘጠቓልል እዩ። እዞም ዝቐርቡልካ ኣገልግሎታት ኣብ ዝተፈላለዩ ወሰንቲ ጉዳያት፣ ን ኣብነት ኣብ ኩነታት ስደተኝነትካን ጠለባትካን ተሞርኪሶም ዝቐርቡ እዮም።

ገለ ኣገልግሎታት ድማ ብ ማእኸላይን ከባቢያዊን መንግስታት ዝቐርቡ እዮም- ን ኣብነት ቤት ትምህርቲታት፣ ናይ መንበሪ ገዛ ምኽሪ፣ ናይ ድሕነት ሓገዝ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) (ብሄራዊ ኣገልግሎት ጥዕና)፣ ወይ ፖሊስ። ካልኦት ኣገልግሎታት ድማ ብብሕታዊ ኩባንያታት ወይ ውልቀሰባት ዝቐርቡ እዮም። ካልኦት ኣገልግሎታት ድማ ብ ግብረሰናይን ወለንታውያንን ትካላት ዝቐርቡ እዮም።

ኣብ ገለ ግዜያት ድማ ካብ ገሊኦም ኣገልግሎታት እኹል ደገፍ ዘይክትረክብ ትኽእል። ንኣብነት፡ ካብ ተርጎምቲ ደገፍ ከድልየካ ይኸውን ግን ድማ እዚኦም ኩሉ ግዜ ዘይክቐርቡልካ ይኽእሉ። ወይ ድማ ናብ ቆጸሮ ንምኻድ ነዊሕ ርሕቐት ክትጎዓዝ ክትሕተት ትኽእል እዚ ድማ ንዓኻ ኣብ'ቲ ቦታ ንምብጻሕ ኣጸገሚ ክኾን ይኽእል።  

እዚ'ውን መጨነቒ ክኾነካን ዝሓሸ ደገፍን ዝተመሓየሹ ኣገልግሎታትን ክቐርቡልካ ከምዘለዎ ክሰምዓካ ይኽእል። ዋላኳ እዞም ነዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ዘቕርቡልካ ኣካላት ዝከኣሎም ኩሉ ይግበሩ፣ ንስኻን ግን ነቶም ጠለባትካ ኣይፈለጡለይን ኢልካ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ'ም ዝበሉ ኩነታት፣ ድምጽኻ ክስማዕን ንሶም ድማ ነዚ ሰሚዖም ነቶም ትህቦም ሓሳባት ኣብ ሰሚዖም ኣብ ግምት ከእትዉልካ ትሓስብ ትኸውን።

ተሳትፎ እንታይ እዩ፧

ተሳትፎ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዘጠቓልል እዩ፡

  • ብዛዕባ ኣገልግሎታት ዝሓሸ ሓበሬታ ምርካብ።
  • ብዛዕባ ኣገልግሎታት ዘለካ ሓሳባት ምክፍላ።
  • ኣብ'ቶም ብዛዕባ ኣገልግሎታት ብዝምልከት ዝሓልፉ ውሳነታት ምስታፍ።

ተሳትፎ ማለት ምስ'ቶም ወሃብቲ ግልጋሎት፣ ትካላትን ማሕበረሰባትን ፍልጠትካ፣ ክእለታትካ፣ ርኢቶታትካን ስክፍታትካን ምክፋል ማለት ኮይኑ፣ ተሳትፎ ክትገብረሎም ትኽእለሎም ብዙሓት መገዲታት ድማ ኣለዉ። ን ኣብነት፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ንገራት ጹቡቕ ሓበሬታ ብምሓዝን ነቶም ዘድልዩኻ ኣገልግሎታት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ብምሕጋዝ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።


ዓለምለኻ ሕብረት ህዝባዊ ተሳትፎ (International Association for Public Participation) ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ተሳትፎ ከምዘለዉ ይሕብር፡

 

1. ሓበሬታ ምሃብ – እቶም ዝቐርቡልካ ኣገልግሎታት ብኸመይ ከምዝቐርቡ ክትርዳእ ዘኽእለካ ሓበሬታ ምርካብ።
2. ምኽሪ ምሃብ – ኣገልግሎታት ብዛዕባ ሓደ ነገር ዝህልዉኻ ርኢቶታት ወይ ግብረመልሲ ክትህቦም ክሓቱኻ እንከለዉ።
3. ምስታፍ – እቶም ትህቦም ርኢቶታት ኣብ ግምት ከምዝኣተዉ ንምርግጋጽ ምሳኻ ብሓባር ክሰርሑ እንከለዉ።
4. ምትሕግጋዝ – መፍትሒታት ኣብ ምንዳይ ኣገልግሎታት ምሳኻ ብሓባር ክሰርሓ እንከለዋ።
5. ደገፍ ምሃብ – ብዛዕባ ኣገልግሎታት ዝሓልፉ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ኣብ ምሃብ ክትሕግዝ እንከለኻ።

እቲ ደረጃ እናለዓለ ብዝኸደ ቁጽሪ፣ እቲ ዘለካ ርኢቶ ኣብ'ቶም ዝሓልፉ ውሳነታት ዘለዎ ጽልዋ እናዓበየ ይኸይድ።

ተሳትፎ ኣብ ትካላት እወንታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣበርክቶ ይገብር። እቶም ወሃብቲ ግልጋሎት ካብ'ቶም ዝካየዱ ተሳትፎታት ተረባሕቲ እዮም፣ ምኽኒያት እዚ ድማ ናይ'ቶም ተጠቀምቲ ድልየታት ክርድኡ ዝሕግዞም ብምዃኑን፣ እቶም ካብ ተጠቀምቲ ዝረኽቡዎም ፍልጠታትን ተሞክሮታትን ጸገማት ንምፍታሕ፣ ብድሆታት ንምእላይን ኣብ ኣገልግሎታቶም ምምሕያሻት ንምምጻእም ዝጥቀሙሎም ብምዃኖም እዩ። እቶም ተሳትፎ ክህሉ ዘተባብዑ ትካላት ስሉጣትን ምህዞኣዊ ዝኾኑን ኣገልግሎታት የማዕብሉ፣ ናይ ሰባት ድልየታት ቀልጢፎም ይርድኡን ጸገማት ድማ ቅድሚ ምግጣሞም ይከላኸሉን እዮም።

ንስኻ ኸ ካብ ተሳትፎ እንታይ ትረክብ፧

ተሳትፎ ኣገልግሎት ክመሓይሸ ዘኽእል ብምዃኑ ኣብ ኩሎም ተጠቀምቲ ኣገልግሎታት እወንታዊ ጽልዋ ዘሕድር እዩ። ይኹን እምበር፣ ንስኻ'ውን ኣብ ናይ ከባቢ ናይ ሕክምና ስራሕቲ ይኹን ኣብ ግብረሰናይ ስራሕቲ ተሳታፊ ብምዃንካ ተረባሒ ኢኻ። ንኣብነት፣

 

  • ብዛዕባ መሰላትካ፣ ዝግቡእኻ ነገራትን ሓላፍነታትካን ዝሓሸ ኣፍልጦ ክህልወካ ይኽእል።
  • ብዛዕባ እቶም ዝቐርቡልካ ኣገልግሎታት ዝሓሸ ርድኢት ክተማዕብል ትኽእል።
  • ኣገልግሎታት ኣብ ዝውጠኑሉን ንተጠቃማይ ኣብ ዝቐርቡሉን መገዲ ዘለካ ርኢቶ ክትህብ ትኽእል።
  • ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታትን ምድላዋትን ብምስታፍ ካብ ዝተፈላለዩ ድሕረ ባይታታት ዝመጹ ሰባት ክትረክብን ምስ ካልኦት ኣብ'ቲ ናይ ከባቢኻ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ሰባትን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
  • ንህጹጽ ኩነታት ጥዕና ሓዊሱ ብዛዕባ ብዙሓት ዛዕባታት እዋናዊ ሓበሬታን መምርሒታትን ክትረክብ ትኽእል።
  • ቋንቋ እንግሊዘኛ ክትለማመድ፣ ብዛዕባ ካልኦት ባህሊታትን ልምድታትን ክትመሃርን ከምኡ ድማ ናይ ካልኦት ሰባት ኣራእያ ኣብ ምርዳእ ዝያዳ ዕድላት ክትረክብ ትኽእል።
  • ኣብ'ቶም ድልየት ዘሕደርካሎም ሸነኻት፣ ንኣብነት ኣብ ናይ ርክብን ኣመራርሓን ክእለታትካ፣ ዝህልዉኻ ክእለታት ብዝምልከት ተሞክሮ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ናይ'ቲ ትነብረሉ ማሕበረሰብ ድለይታት ብዝብለጸ ክትፈልጥ ምኽኣል። ትካላት ዝሓሹ ኣገልግሎታት ንኸዳልዉ ብምሕጋዝ ንማሕበረሰባካ ብኸመይ ክትውክልን ንመሰላቱ ክትጣበቕ ከም ትኽእልን ሓበሬታ ምርካብ።
  • ነቶም ናብ ማሕበረሰብካ ብዝበለጸ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ክተወሃሃድ ዝሕግዙኻ ኣገልግሎታት ሓላፍነት እናወሰድካ ብዝመጻእኻ ቑጽሪ ኩርዓትን ናይ ምትብባዕን ስምዒት ተማዕብል።
  • ርእሰ ተኣማማንነትካ ምምዕባል።

ከም'ዚ ዝረኣኻዮ ተሳትፎ ብዙሓት ረብሓታት ኣለዉዎ። ኣብ ምክያድ ኣገልግሎታትን ማሕበረስባት ተሳታፊ ምዃን ናይ ውልቂን ሞያዊን ዕብየት ክትርከብን ኣብ ናይ ካልኦት ሂወት እወንታዊ ኣበርክቶ ክትገብርን ዘኽእለካ ፍሉይ ዕድል ትረኽበሎም እዮም።

ብዛዕባ ተሳትፎን ብኸመይ ተሳታፊ ምዃን ከምዘከኣልን ዝያዳ ሓበሬታ ምስ እትደሊ ነቶም ኣብ'ዚ ተኸታታሊ ሕታም እዚ ዝርከቡ ካልኦት ናይ ሓበሬታ ሉሓት ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

Logo for Asylum Migration and Integration Fund

Logo for Refugee Integration Yorkshire and Humber

Contact us

For more information, please contact us at:
admin@migrationyorkshire.org.uk