ሌላ ምስ ድሕረ ባይታዊ ምርመራ ንደለይቲ ስራሕን ወለንታውያንን።

Image
A checklist on a clipboard

ግዜ

ምፍታሽ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እንተኾይኑ ዕድል ክሓልፈካ ክገብር ዝኽእል ከይኾን ፍለጥ፣ ከምኡ’ውን ቅድሚ ተፍትሽ ምዝዛሙ ነቲ ተራ ወይ ስልጠና ናይ ምጅማር ተኽእሎ እንተሃልዩ ፍለጥ።

ዕድል እንተ ኣምሊጡካ፡ ግን ከኣ ድሮ ንDBS ምፍታሽ ኣመልኪትካ እንተኾንካ፡ ምስክር ወረቐት ግን ክትረክብ ኢኻ እዚ ድማ ካልእ ተራ ብቐሊሉ ንምውሓስ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምትእምማንን ምኽባር ሕግታትን ምዃኑ’ዩ

ብዙሓት ናይ ድሕረ ባይታ ተፍትሻት፡ ዘይክህልወካ ዝኽእል ሓበሬታ፡ ሰነዳት ወይ ርክባት ከተካፍል ትሕተተሎም፡ ወይ ድማ ኣብ ዘይትርድኣካ ወይ ስምዒታዊ ክገብረካ ዝኽእል መስርሓት ምሕላፍ ዘጠቓልሉ እዮም።

  • ድሚ ፍቓድ ምሃብካ ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ትሕተት ከምዘለኻ፣ ከምኡውን ውጽኢት ናይቶም ተፍትሻት እንታይ ምዃኑ ሓበሬታ ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ
  • ኣብ ድሕረ ባይታዊ ተፍትሻት ዝሕተቱ ሕቶታት ብዝግባእ ከምዝተረድኡኻ ርግጸኛ ኩን። ብዙሓት ቃላት ካብ ንቡር ትርጉሞም ዝፍለ ቴክኒካዊ ትርጉማት ኣለዎም፣ ንስኻ ክትፈልጠሎም ዘለካ ምኽንያት 'ውን የለን።
  • ትደልዮ ዕድል እንተርኢኻ፡ ግን እቲ ድሕረ ባይታ ምፍታሽ ክትገብሮ ዘይከኣል እንተመሲሉ፡ ምስቲ ናይ ሙቕጻር ሓላፊ ወይ ሓላፊ ሓይሊ ሰብ (HR) ምዝርራብ፡ ወይ ኣብቲ ዝቐልጠፈ ዕድል ናይ ክኢላ ምኽሪ ምሕታት ኣገዳስነት ኣለዎ።

ብዙሓት ትካላት ኣብ ስርዓተ ዑቕባ ዝጸንሑ ሰባት ብድሕረ ባይታ ምፍታሽ ዘጋጥሞም ፍሉይ ብድሆታት ክርድእዎ ኣይክእሉን’ዮም፣ ነዚ መሰናኽላት’ዚ ክሰግሩሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለየ መገድታት’ውን ዘይፈልቱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኩሉሳዕ ንምግስጋስ ዝኸውን ኣማራጺ ኣሎ

ወግዓዊ ትርጉም

ዝኾነ ናይ ምጽራይ ሰነዳት ምትርጓም ዘድልዮም እንተኾይኑ፡ እንድሕር ድኣ ንስኻ ክትሓቶም ውሑስ ኮይኑ፣ እቲ ሓበሬታ ዝመጸሉ ሀገር ኤምባሲ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ቴክኖሎጅን ተበጻሕነትን

ቆጸርቲ ምቹእ ቦታን ኣብ ዝኾነ ምፍታሽ ንምስታፍ ዘድልዩ መልመልቲ ምዃኖም ይፍለጥ ከቕርቡልካ ክኽእሉ ኣለዎም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምክፋል ዝወጽእ ዝኾነ ወጻኢታት ክሽፍኑ ይግባእ። ናይ ስራሕ ማእከላት፡ ቤተ-ንባብ ወይ ማሕበረሰባዊ ማእከላት፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ተፍትሽ ብቐሊሉ ክትሰርሖ ዝሕግዘካ፡ ኮምፒዩተራትን ጽቡቕ ናይ ኢንተርነት ምትእስሳርን ክህባኻ ክኽእላ ይኽእላ እየን።

ሕማቕ ተሞኩሮን ጥዕናን

ድሕረ ባይታ ምፍታሽ ጣልቃ ዝኣትው ክኾን፣ ከበድቲ ዝኽርታትን ስምዒታትን ዘለዓዕል ወይ ድማ ነቲ ዝሕተት ምኽባር ከቢድ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ኣብቲ መስርሕ ብጽቡቕ ከቐጽለካ ዝኽእል ነገር ሕሰብ። ንኣብነት፣ ምሳኻ ሰብ ሒዝካ ምምጻእ ወይ እቲ መስርሕ ኣብ ሓደ ዝተፈለየ ቦታ ክኾን ምግባር ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ታሪኽካ ወይ ኣብ መስርሕ ብዛዕባ ዘጋጥመካ ብድሆ ውልቃዊ ነገር ከተካፍል እንተድኣ ኣድልዩካ፡ እንታይ ክትብል ከም ዘለካን ብኸመይ ከም እትብሎን ኣቐዲምካ ምውጣን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ስሩዕ መስርሕ ምቑጻር ዘለዎም፣ ወይ ናይ ምስግጋር ዕድላት ዝህቡ ተራታት ምምራጽ ጸቕጢ ክቕንስ ፣ ከምኡ’ውን ተፍትሽ ገለ ግዜ እንተ ወሲዱ፣ ወይ ገዛ ክትግዕዝ እንተድኣ ኣድልዩካ ናይ ዝጠፍእ ግዜን ዕድልን ሓደጋ ዝቕንስ ክኾን ይኽእል እዩ።

ምስ'ቶም ድሕረ ባይታ ምፍታሽ ዘመቻችኡ ሰባት ሕማቕ ተመኩሮ እንተሃልዩካን ርእይቶ ምሃብ ውሑስ ኮይኑ እንተተሰሚዑካን፡ እዚ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብቶም ሰባትን ኣብ'ቲ መስርሕን ዳግማይ እምነት ክትረክብ ዕድል ክህበካ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣወንታዊ ተመኩሮ እንተጸኒሑካ፣ ሰባት እንታይ ጽቡቕ ነገር ከምዝገበሩ ክፈልጡ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ናይ ሓበሬታ ወረቀት ብ Migration Yorkshire ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዝተጻሕፈ እዩ። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ ክነእንግደካ ዝክኣለና ክንፍትን ኢና፡ admin@migrationyorkshire.org.uk ወይ 0113 378 8188።

ን ናይ ወለንታዊ ወይ ናይ ሰራሕ ዕድላት ኣብ UK እንተድኣ ተመልክት ኣለኻ, ንድሕረ ባይታዊ መርመራ ክካየደካ ክትሰማማዕ ክትሕተት ኢኻ። እዘን መርመራታት ከበድቲ ክኾና ይኽእላ እየን፣ ብፍላይ ድማ ትሑት ሓይሊ ፡ ርእሰተአማንነት ወይ ግዜ ዘለካ እንተድኣ ኮንካ።

ንፈለማ ግዜኻ ድሕረ ባይታዊ መርመራ ክግበረልካ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። እተን ነዓኻ ዘገድሳኻ ዕድላት መታን ክትረኽበን፡ እዛ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ንናይ መርመራታትካ ብድሆታት ክትሓልፎ ክትሕግዘካ እያ ኢልና ተስፋ ንገብር።

ድሕረ ባይታዊ መርመራታት እንታይ እዮም?

ድሕረ ባይታዊ መርመራ እቶም ኣብ ወለንታዊ ወይ'ውን ኣብ ናይ ስራሕ ምቑጻር ስራሕቲ ዝነጥፉ ሰባት ነቶም ዝፈልጡኻ ሰባት ተጠቒሞም ብዛዕባኻ ዝያዳ ኣፍልጦ ዝረኽቡሎም ዝተፈላለዩ መገዲታት ዝገልጽ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ዘካተተ ክኸውን ይኽእል

  • መንነትካ ምርግጋጽ
  • ምስ'ቲ ጉዳይ ዝሳነ መስክር ወረቓቕትኻ ወይ ብቕዓትካ ምርግጋጽ
  • እቶም ዝፈልጡኻ ሰባት ብዛዕባ ባህሪኻ ወይ ስራሕካ ርእይቶኦም ክህቡ ምሕታት (እዚ ድማ ምውካስ ተባሂሉ ይፍለጥ።)
  • ገምጋም ዝኾነ ገበናዊ መገዘባት ምክያድ
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕናኻ ካብ ሓኪምካ ምሕታት።

እዚ ኣብ UK ዝግበር ናይ ድሕረ ባይታ ገምጋም ኣሰራርሓኡ ክትርድኦ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ዝጥለብ ነገራት ወላ ኣብ ሓደ ትካል ኮይኑ ካብ ሓደ ተራ ናብ ካልእ ተራ ክፈላለ ስለ ዝኽእል።

ስለ ምንታይ እየን ናይ ንግዲ ኩባንያታትን ትካላትን ናይ ድሕረባይታ ገምጋም ዝገብራ?

  • ብ ብድሕረባይታዊ ገምጋም ኣቢላ፣ ሓንቲ ትካል ተራ ንኽትህበካ ክትተኣማመን ክገብራ ዝኽእል ሓበሬታ ንምርካብ እያ ትፍትን። ብህሉው ጸጋታት፣ ስልጠናታትን ደገፋትን ንርእስኻን ንኻልኦትን ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ነቲ ተራኻ ክትገብር ከምትኽእል ርግጸኛታት ክኾኑ ይደልዩ።
  • ገለ ድሕረ ባይታዊ ምፍታሽ ዝግበር፡ ሓደ ትካል ኣብ ልዕሊ ህጻናት ወይ ተቓላዕቲ ዓበይቲ ሰባት ጉድኣት ከብጽሑ ዝኽእሉ፡ ወይ ንጸጥታ ሓደጋ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ንምልላይ ስጉምትታት ክወስድ ብሕጊ ግዴታ ስለዘለዎ እዩ።
  • ገለ ድሕረ ባይታዊ ምፍታሽ ዝግበሩ ድማ ሞያዊ መምዘኒታት ንምምላእ እዩ። 

ኣብ ድሕረ ባይታዊ ተፍትሽ እንታይ ኣማራጺታት ኣለኒ?

  • ድሕረ ባይታዊ ተፍትሽ ኣብ ዝካየደሉ ግዜ፣ ንኹሎም ሕጹያት ተመሳሳሊ ሓበሬታ ክጥለቡ ሕጋዊ ግዴታ ኣሎ።
  • ኩሉ ግዜ ንድሕረ ባይታ ምፍታሽ ክትሰማማዕ ክትሕተት ኣለካ፡ እንተ ዘይተሰማሚዕካ ግን ምናልባት እቲ ተራ ኣይክወሃበካን’ዩ ማለት’ዩ።

ንንግድን ትካላትን ዝምልከት ሕግታት እንታይ እዮም?

  • ትካላት ክሓታኻ ዝኽእላን ዘይክእላን ሕቶታት እቲ ሓበሬታ 'ውን ኣብ ምንታይ ከምዝውዕል፡ ብሕጊ ብጥብቂ ቁጽጽር ዝግበሮ እዩ። ንስራሕቲ ምቑጻር ካብ ድሕረ ባይታ ምፍታሽ ዝተረኽበ ሓበሬታ ምስ ከም ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዝበሉ (Home Office) ካልኦት በዓል መዚ ትካላት ኣይካፈልን እዩ
  • ቅድሚ ምምልካትካ እተን ትካላት ፣ ንሓደ ተራ ንምውህብ እንታይ ድሕረ ባይታዊ ተፍትሻት ከምዝደልያ ኣቐዲመን ክሕብራ ይግብአን። ብዛዕባ እቲ መስርሕ ዘለካ ዝኾነ ሕቶ ንምሕታት ክትክእል ድማ ኣመልካቲ ክውከሶ ዝኽእል ዝተሰምየ መርከቢ ክህቡ ይግባእ።
  • ድሕረ ባይታዊ ተፍትሽ ብዙሕ ግዜ ድሕሪ ‘ዕዉት’ ናይ ምቑጻር መስርሕን ንስኻ ነቲ ተራ ክትወስዶ ከምትደሊ ምስ ሓበርካ እዩ ዝጅምር።
  • ትካላት ወጻኢታት ናይ ድሕረ ባይታዊ ተፍትሻት ክሽፍና ይግባእ። ብዛዕባ ክፍሊት ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ካብ ሰራሕተኛ፣ ወይ እውን ካብ ክሕግዘካ ዝኽእል ኣማኻሪ ናይቲ ማእከል ሓገዝ ሕተት።

መንነትካ ምርግጋጽ

ኣብ ሓደ ሀገር ጋሻ ኮንካ ኣብ ዘለኻሉ ወይ እውን ኣብ ስርዓት ናይ ሓታቲ ዑቕባ እንከለኻ፣ መንነትካ ዘረጋግጽ መርትዖ ምቕራብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ ብዝቐለለ መንገዲ መንነትካ ከተረጋግጸሎም ትኽእለሎም ስጉምታት ኣለዉ።

ናብ ኣገልግሎት ምግላጽን ምኽልካልን (Disclosure and Barring Services) ዝርዝር መረጋገጺ ዝተውሃቦም ሰነዳት ብምኻድ ገለ ቅቡላት ሰነዳት ክትረክብ ፈትን።

ዝከኣል እንተኾይኑ ድማ፣ ናይ ሕሳብ ወይ ወግዓዊ ደብዳቤታት ብሙሉእ ስምካ ክለኣኸልካ ሕተት፣ ብግቡእ ተጻሒፉ ምዃኑ ድማ ኣረጋግጽ። ኣብ ሰነዳትካ ዘጋጥም ዝኾነ ጌጋ ብቕልጡፍ ክስተኻኸል ግበር።

ድሮ ናይ ስደተኛ ፍቃድ እንተሃልዩካን ንዕኡ ዓቕሚ እንተሃልዩካን፡ ወይ ድማ ሓደ ቁልፊ ሰራሕተኛ ክምውለካ እንተኽኢሉ፡ ንግዝያዊ ፍቓድ ምዝዋር መኪና ተመዝገብ

ናይ ምስክር ወረቐት ወይ ብቕዓት

ናይ ብቕዓት መረጋገጺ ሰርትፊኬታት ዘለዉኻ እንተኾይኖም፡ ከመይ ጌርካ ከም እተረጋግጾምን ትምርምሮምን ተማሃር። ኣብ UK ተመሳሰልቲ ናይ ብቕዓት መረጋገጺ ሰርትፊኬታትን ተመኩሮታትን እንታይ ከምዝብሃሉን ሰባት ብዛዕብኦም እንታይ ከምዝብሉን ፍለጥ። እዚ ዝያዳ ካልኦት ንኽርድኡኻ ክሕግዘካ እዩ።

ሓደ ትካል ብቕዓትካ ከረጋግጽ እንተዘይክኢሉ፣ ኤምባሲ ናይታ ናይ ብቑዕነት መረጋገጺ ምስክር ወረቐት/ሰርትፊኬት ዝተቐበልካላ ሀገር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር ዝርከባ ሞያዊ ትካላት እውን ኣብቲ ሞያ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ብዛዕባ ዝነበረካ ብቕዓትን ሓበሬታን ከረጋግጻ ይኽእላ እየን።

ኣብ UK ዘለዋ ሞያውያን ትካላት ውን ንቆጸርቲ ስራሕ ብዛዕባ ናትካ ብቕዓት ክተኣማመኑ ክገብሩ ይኽእላ እየን።

መወከሲታት

ናይ ብስራሕ ይኹን ብውልቂ ንዝተወሰነ ዓመታት ዝፈልጡኻ ምሳኻ ዝምድና ዘይብሎም ሰባት ኣስማትን ዝርዝር ርክብን ክትህብ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ። እቲ ትካል ነቶም ሰባት ረኺቡ ብዛዕባ ናትካ ብቕዓትን ነቲ ተራ ዘለዎም ሓሳብ ክህቡ ክሕተቱ እዮም።

ኣብ'ዚ ዓዲ ሓደስቲ ዝኾኑ ሰባት ናይ መወከሲ ሮቛሒታት ንምምላእ ክሽገሩ ምራኣይ ልሙድ እዩ።

  • ምስ ቁልፊ ሰራሕትኛ ብቕርበት እንተሰሪሕካ፣ ወይ 'ውን ቆልዑ እንተልዮምኻ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ድማ ክላለዩኻ እንተኽኢሎም፣ ናይ ባህሪ መወከሲ ክህቡኻ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም።
  • መወከሲ ከተቕርብ ምስዘይትኽእል፣ ነቲ ናይ ቆጸራ ሓላፊ ኣዛርቦ። ኣብ ዝተወሰኑ ተራታት ክተዓጻጸፉን ብናይ ዝተመጣጠነ ተራ ወይ ክትትል እንዳተገበረልካ ስራሕካ ክትጅምር ከፍቅዱን ይኽእሉ እዮም። ካብ ክኢላ ምኽሪ ንምርካብ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
  • መወከሲ ክህቡኻ ዝኽእሉ ሰባት እንተዘይብልካ፡ መወከሲ ዘየድልዮ ተራ ክትወስድ ኣብ ግምት ከተእቱ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ መወከሲ ክህቡኻ ዝኽእሉ ሰባት ክትፍለጥ ይሕግዘካ።
  • ከምኡ’ውን ኣስማትን ዝርዝር ርክብን ናይ'ቶም እትረኽቦም ንመጻኢ መወከሲ ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት እንተሓዝካዮም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንግሊዝ ብወለንታ እትሰርሖም ወይ እትሰርሖም ዕለታት፣ ተራታትን ትካላትን መዝገብ እንተሒዝካ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ተፍታሽ መዝገባት ገበን

ምስ ተቓላዕቲ ዓበይትን ህጻናትን ብፍሉይ ክትራኸበሉ ትኽእል፡ ወይ ስሱዕ ሓበሬታ ምርካብ ዕድል ዝህብ ናይ ስራሕ ተራ ክትሓትት ከለኻ፡ እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል እዩ።

  • ገበናዊ መዝገብ ኣለካ'ዶ ተባሂልካ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ
  • ብሰንኪ ባህርያትካ ተቐጺዕካ ወይ ስራሕ ደው ኣቢልካ'ዶ ትፈልጥ ተባሂልካ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ።
  • ን ናይ ኣገልግሎት ምግላጽን ምኽልካልን (Disclosure and Barring Services) ተፍትሽ ፍቃድ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ-እዚ ብኻሊእ ኣገላልጻ DBS ምፍታሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወይ ናይ ገበን መርመራ ተፍትሽ 'ውን ይበሃል እዩ።

Disclosure and Barring Service ኣብ UK ብዛዕባ መዛግብቲ ገበን ሓበሬታ ክረክብን ንመቑጸርቲ ኣገደስቲ ክፋላት መዛግብቲ ሰባት ዘርኢ ምስክር ወረቐት ከቕርብን ዝኽእል ወግዓዊ ትካል እዩ። ዝተፈላለዩ ናይ DBS ምፍታሽ ደረጃታት ኣለዉ፣ እዚ ድማ ነቲ ተመልክቶ ዘለኻ ተራ ብቑዕ ዝኾነ ሓበሬታ ጥራይ ክካፈል ዝገብር እዩ።

ናይ ገበን መዝገብ ሃልዩካ ክትሰርሕ ወይ'ውን ወለንታዊ ንጥፈት ክትገብር ይፍቐድ እዩ እንተኾነ ዝተወሰኑ ተራታት ንምሓዝ ክትክልከል ትኽእል። ኣብ ዝተሓተትካሉ፣ ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዘለዉኻ መዝገባት ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ እንታይ ከም ትሕተትን እንታይ ክትምልስ ከም ዘለካን ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። እንተ ተጠራጢርካ ሰባት ክሕግዙኻ ግበር።

ብሰንኪ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምዃንካ ወይ ድማ ብሰንኪ እቲ ናብ ዑቕባ ዝገብሮ ጉዕዞኻ ንምድሓን ዝገበርካዮ ተግባራት ወይ ንመነባብሮኻ ክትሰርሖ ዝጸናሕካ ተግባራት ከም ገበነኛ ተቖጺርካ እንተኾንካ፡ ምስ ጠበቓ፡ ኣማኻሪ ወይ እሙን ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ብዛዕባ ኣብ እዋን ምልመላ ከመይ ጌርካ ብዛዕባኡ ትዛረብ።

ከም ኣካል ናይ'ቲ መስርሕ፡ በቶም Disclosure and Barring Service ወግዓዊ ናይ መንነት መፍለዪ ሰነዳት ኢሉ ኣፍልጦ ዝህቦም ሰነዳት ተጠቒምካ መንነትካ ከተረጋግጽ ትሕተት።

ወላውን ናቶም ጉድለት ኣይኹን ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ወረቃቕቲ ጠለባት ኣብ ምምላእ ክሽገሩ እዮም። ወላውን ነቶም ኣድለይቲ ወረቓቕቲ ክትረክብ ኣይትኽኣል፣ ኣሰር ኣጻብዕትኻ ኣብ ፖሊስ ብምምዝጋብ ብ DBS ምፍታሽ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

  • ኩሉ ካብ 16 ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ሰብ ናይ ስደተኛ ኩነቱ፣ ኣብ'ዛ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ጸኒሑ ብዘየገድስ DBS ምፍታሽ ክገብር ይኽእል እዩ።
  • ድሕረ ባይታ ኣመልካቲ ብዘየገድስ እቲ ምልክታ ግቡእ ብዝኮነ ኣገባብ እንተቐሪቡ ፈተሻ ክካየድ ከባቢ ክልተ ሰሙን እዩ ዝወስድ። 3 Tigrinya
  • ኣብ ከምቲ ኣብ መጻኢ ክትደልዮ እትኽእል ተራ ተመሳሳሊ ደረጃ ምፍታሽ ዝሓትት ናይ ወለንታ ስራሕ ተሳታፊ ምዃን፣ ተመኩሮን መወከሲታትን ንምህናጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ ከምኡ’ውን ከተመልክት ከለኻ ናይ DBS ምፍታሽ ኣብ ቦትኡ ኣለካ ማለት እዩ።
  • ንናይ DBS ምፍታሽ ኣመልኪትካ እንተኾይንካ፣ ምስ DBS ምስክር ወረቐትካ እዋናዊ ንኽኸውን ብ DBS ምምሕያሽ ኣገልግሎት ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ናይ መጻኢ ኣስራሕቲ ወይ ወለንተኛታት ኣካየድቲ ሓድሽ ምፍታሽ ከየድለዮም ምስክር ወረቐትካ ክምርምሩ ይኽእሉ። ንወለንታውያን ናይ እዋናዊ ምምሕያሻት ዝኽፈል ክፍሊት የለን።
  • እዚ መምርሒ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣመልከትቲ ካብ ኣገልግሎት ምግላጽን ምኽልካልን (Disclosure and Barring Service) ንዓኻን ንዝኾነ ክትጽንበሮ እተመልክት ትካልን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ DBS ምፍታሽ ናይ ሓበሬታ ወረቐት ተመልከት።

ዓለምለኻውያን ተፍትሻት

ንገለ ተራታት (ከም ምምሃር ወይ ኣለይቲ ሕሙማት) ሓደ ትካል ኣብ ዝኾነ ኣብ ወጻኢ ዝነበርካሉ ቦታታት ዝኾነ ገበናዊ ታሪኽ እንተሃልዩካ ምፍላጥ ከድልዮ ይኽእል እዩ። ንዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ተሰሪዑ ይርከብ። እቲ ንዝተፈላለዩ ሃገራት ዝምልከት ብኸመይ ‘ናይ ጽቡቕ ባህሪ ምስክር ወረቐት’ ክትረክብ ከም እትኽእል ዝምልከት ሓበሬታ ብ መንግስቲ UK ዝቐርብ እዩ።

ኣስራሕቲ ድሕረ ባይታ ምፍታሽ ክገብሩ እንተዘይክኢሎም፡ ቅድሚ ናይ ስራሕ ዕድል ምሃብ ብዝተኻእለ መጠን እኹል ሓበሬታ ብመልክዕ መወከሲ ሓበሬታ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር።

ተፍትሽ ኣብ ካልእ ዝነበርካላ ሃገር ንዝርከቡ ሰበ ስልጣን ኣድራሻኻ ስለ ዘፍልጥ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ እንተኽኢልካ፡ ምስ'ቲ ኣብቲ ትካል ዘሎ ኣማሓዳሪ ሓይሊ ሰብ (HR) ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ፡ ወይ ድማ ሕጋዊ ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ምፍታሕ ሽግር

ትካላት ብውሑስ መንገዲ ክሰርሓ ዝደልያ እኳ እንተኾና፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት እውን ከመልክቱ የድልየን እዩ። ጉዳያትን መፍትሒታቶምን ብዝተኻለ ክፍለጡ እንተኽኢሎም፣ መብዛሕቲኡ ግዜ ጸገማት ክፍትሑ ይኽእሉ እዮም።

Logo for Asylum Migration and Integration Fund

Logo for Refugee Integration Yorkshire and Humber

Contact us

For more information, please contact us at:
admin@migrationyorkshire.org.uk