ኣቶም ተሳትፎ ንምግባር ዘድልዩ ክእለታት እንታይ እዮም፧

Image
A pile of notes about employment

ድሕረ ባይታ


ናይ ስደተኛታት ተሳትፎ ዝተፈለለየ ስያመ ክወሃቦ ይኽእል፣ ን ኣብነት ' ካብ ልምዲ ተበጊሶም ሰብ ክእለት ዝኾኑ' ወይ
'ተሳትፎ ተጠቃማይ'። እዚ ድማ እቶም ዝተወሰነ ተሞክሮ ዘለዎም ሰባት ነቶም ዝቐርቡሎም ኣገልግሎታት ቅርጺ ኣብ
ምትሓዝ ከምዝኽእሉ ዝገልጽ እዩ።

ተሳትፎ ምግባር ንምንታይ፧


ብ ናይ ተሳትፎ ንጥፈታት ኣቢልካ፣ ክእለታትካ ክተመሓይሽን ኣገልግሎታት ብኸመይ ከምዝሰርሑ ዝሓሸ ርድኢት
ክህልወካ ዝገብርን እዩ። ትካላት ነቶም ናይ ስደተኛታት ማሕበረሰባት ብዝሓሸ ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባር ክትጥቀሙሉ ትኽእሎ ክትገብር ዘኽእሉኻ ብዙሕ ፍልጠት ኣለካ። እቲ ዘለካ ፍልጠትን ተሞክሮን ነቲ ኣገልግሎታት ዝህቡሉ መገዲኣብ ምምሕያሽ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።


ብተሳትፎ ኣቢልካ ድማ ነቲ ዘለካ ርእሲ ተኣማማኒነት ክተዕቢ፣ ናይ'ቶም ን ስደተኛታት ዝቐርቡ ኣገልግሎታት ኣብ
ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ከይዲ ክትርኢን ኣብ ከክንዲ ማሕበረሰብካ ድምጽኻ ክተስምዕን ትኽእል ኢኻ። ካብ'ዚ ብተወሳኺነቶም ከም ክእለት ርክብ፣ ምድማጽ፣ ህዝባዊ መደረ፣ ምጽሓፍን ናይ ኣመራርሓ ክእለታትን ካልኦት ብዙሓት ነገራትንክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።


ኣብ'ቶም ንስደተኛታት ነገራት ቀለልቲ ክኾኑ ይገብሩ እዮም ኢልካ ዝኣመንካሎም ምንቅስቓሳት ክትሳተፍን ድልየት
ክተሕድርን ዋላ'ውን ሓደሽቲ ክእለታት ክተማዕብልን ትኽእል ኢኻ። ገለ ትካላት ስለ እቲ ዘለካ ፍሉይ ክእለት ወይ ድማናይ ስደተኛታት ድምጺ ክስማዕ ንምኽኣል ክብሉ ክትሕወሶም ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም።

ተሳትፎ ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ፧


ስደተኛ ተሳታፋይ ንምዃን ናይ ምልክታ መስርሕ ክትዛዝም ክትሕተት ትኽእል ወይ ዝተወሰኑ ክእለታት ክህልዉኻ
ክትሕተት ትኽእል ኢኻ። እዞም ረቛሒታት እዚኦም ንብዙሓት ሞያዊ ስራሕቲ ከም ስታንዳርድ ኮይኖም ዘገልግሉ
ኮይኖም ንስኻ ድማ ነቲ ስራሕ ክትሰርሖ ከም ትኽእል ንምርኣይ እውን ክጥቀመሎም ትኽእለሎም እዮም። ንኣብነት፣ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክሓቱኻ ይኽእሉ፡


▪ ንዝተወሰነ ናይ ግዜ ጻንሒትን ናይ ተሳትፎ ግዜያትን ነቲ ስራሕ ንምስራሕ ግዜኻ ክትህብ
▪ ምስ'ቲ ትካል ዘለካ ርክብ ክትዕቅቦ
▪ ትምህርቲ ንምውሳድ ክፉት ኣእምሮ ክህልወካ
▪ ሰባት ዝተፈላለዩ ባህሊታትን ሃይማኖታትን ከምዘለዉዎም ክትቅበል
▪ ናይ ርክብ ዝርዝር ኣድራሻኻ ክተካፍል
▪ ናይ መወከሲ ኣድራሻ ዝርዝር ክተቕርብ፡ እቲ ከም መወካሲ ኢልካ ተቕርቦ ሰብ ዓርክኻ፣ ቅድም ክብልመሳርሕትኻ ዝነበረ ወይ ዝኾነ ዝፈልጠካ ሰብ ክኾን ይኽእል እዩ
▪ ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛ ምዃን ዘለካ ተሞክሮ ክተካፍል፣ ይኹን እምበር እዚ ኣገዳዲ ኣይኮነን።ዝኾነ ክተካፍሎ ምቾት ዘይህበካ ነገር ክተካፍል ክትገደድ ኣይትኽእልን ኢኻ።
▪ ዝተወሰነ ድረጃ ክእለት ምዝራብ ቋንቋ እንግሊዘኛ (ዝተወሰነ ደረጃ) ክህልወካ፣ ካልኦት ቦታታት ግን ተርጓሚከቕርቡልካ ይኽእሉ እዮም
▪ DBS (ናይ ፖሊስ ምርመራ) ሰርተፊኬ ክህልወካ

ትካላት ምስ'ዞም ደረጃታት ብዝተሓሓዝ ክሕግዙኻ እዮም። ቅድሚ ምልክታ ምቕራብካ ምስ'ቶም ኣባላት እቲ ጉጅለ
ናይ ምዝርራብ ዕድል ክህልወካ እዩ፣ በዚ ድማ ነቶም ክህልዉኻ ዝኽእሉ ዝኾኑ ሕቶታት ክምልሱልካ ይኽእሉ እዮም።
 

ነቲ ናይ ተሳትፎ ዕድል ንምርካብ ድሕሪ ምምልካትካ፣ ብዛዕባ እቲ ትሰርሖ ስራሕ መእተዊ ትወሃበሉ ኣኼባ ክህልወካንብዛዕባ እቲ ስራሕ ስልጠና ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኣቕሓን ብዛዕባኣጠቓቕማኡ ድማ ስልጠናን የቕርቡልካ እዮም

 

ዘክር፣ ምስ'ቶም ንጥፈታት ዝተሓሓዙ ዝኾኑ ክፍሊታት፣ ንኣብነት ናይ መጎዓዚያ ወጻኢታት ወይ ናይ ዳታ ክፍሊታትብዝምልከት ንዝህልዉኻ ናይ ክፍሊት ሕቶታት ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ፣ ይኹን እምበር ቅድሚ ገንዘብካ ወጻኢምግባርካ እቲ መደብ ነዞም ወጻኢታት ከም ዝሽፍኖም ከተረጋግጽ ኣለካ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ መተባብዒታት ክወሃቡኻይኽእሉ እዮም፡ እዚኦም ድማ ገንዘባዊ ወይ ዘይገንዘባዊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ቅድሚ ኣካል ተሳትፎ ምዃንካ እንታይ ደረጃታት ክትሓልፍ ኣለካ፧


እንተደኣ እቲ ክትሳተፈሉ ዝተሓሰብካሉ ተራ ከም መጠን ሓደ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ስደተኛ ዘለካ ናይ ናብራ ተሞክሮ
ተሞርኩስካ ዘለካ ሓሳብ ክተካፍል ምግባር ኮይኑ፣ ኣካል ናይ ዝኾነ ናይ ተሳትፎ ፕሮጀክት ምዃን ቀጠታዊ ዝኾነ
መስርሕ ክኾን ኣለዎ።


ዘክር፡ ንሓደ ዕድል ንምርካብ ቅድሚ ምዝገባ ምግባርካ፣ ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ክፉታት ቦታታት ዝህልዉኻ ዝኾኑ
ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ እቶም ንጥፈታት ኣበይን መዓስን ከምዝካየዱ፣ ክሳብ ክንደይ ስሩዕ ብዝኾነመንገዲ ከምዝካየዱ? ወይ ድማ ጉዕዞ ክትገብር ዝሓቱኻ ምዃን ዘይምዃኖም ንገዛእ ርእስኻን ንማሕበረሰብካንዝህቡዎም ረብሓታት እንታይ እዮም፧ ዘድልየካ ደረጃ ክእለት ቋንቋ እንግሊዘኛ እንታይ ምዃኑን ተርጓሚ ዘቕርቡ ምዃንዘይምዃኖምን፧ ናይ ቆልዓ ክንክን ክፍሊታት ዝሽፍኑ ምዃን ዘይምዃኖም፧


ካብ'ዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ምዝገባ ምክያድካ ነቲ ስራሕ ንምስራሕ ዘኽእለካ ግዜ ዘለካ ምዃኑ ኣብ ግምት ውሽጢ
ክተእቱ ኣለካ።

ናይ ተሳትፎ ረብሓታት እንታይ እዮም፧


1. ናይ ርክብ ክእለታትካ ኣማዕብል፡


▪ እቲ ተካይዶ ተሳትፎ ነቲ ዘለካ ክእለተ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ምምሕያሽ ክሕግዘካ ዝኽእል እዩ፡ እዚድማ ኣብ'ቲ ስራሕ ክትዓቢ ዘኽእለካ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ'ቶም እተካይዶም መዓልታዊ ንጥፈታትምስ'ቶም ካብ ዝተፈላለየ ናይ ባህሊ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ኣብ ዝህልወካ ርክብ እውንክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
▪ ብዛዕባ ክእለታት ምድማጽን ህዝባዊ መደረን እውን ስልጠና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
▪ ይኹን እምበር፣ እንተደኣ ነቶም ቋንቋ እንግሊዘኛ ትምህርቲ ዝወሃበሎም ክፍሊታት ኣብ ምድላይትርከብ ኮይንካ፣ ኣብ'ዚ ኣብ ዮርክሺር ከምኡውን ኣብ ሃምበር ኢንግሊሽ ምምሃር ኣብ ዝብል ወብሳይት ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

2. ብዛዕባ እቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሎ ሂወት ዝምለክቱ ዜናታት፣ መምርሒታትን ሕግቲታትን ብዝምልከትሓበሬታ ርኸብ፡


▪ ኣካል ናይ ዝርርብ ኔትዎርክታት ንምዃን፣ ምስ'ቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ ስደተኛታት ትካላት
ክትራኸብ፣ ነቶም ምስ ናይ ስደተኛታት ምውህሃድን ናይ ስደተኛታት ማሕበረስባትን ዝዛመዱ
እዋናዊ ሓበሬታታትን ዜናን ንምርካብ ምዝገባ ምክያድ።

3. ካብ'ቶም ተገዲድካ ናብ ስደት ናይ ምውጻእ ተሞክሮ ዘለዎም ሰባት ትምህርቲ ምውሳድን ነቲ ትርከበሉ ናይስደተኛታት ማሕበረሰብ ወኪልካ ድምጽኻ ክስማዕ ምግባር፡


▪ ካብ'ቶም ስደተኛታት ዘለዉዎም ስክፍታታት ውሑስነቶም ተሓልዩ ክገልጹ ዝሕግዙ ትካላት ዝወሃቡ
ናውቲታትን መምርሒታትን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ን ኣብነት ካብ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ንድሕነት
ስደተኛታት
(The Joint Council for the Welfare of Immigrants )ን ናይ ናይ
ዓሌታዊ ማዕርነት መልእኽቲ ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ምምሕልላፍ
(CRÈME) 
(Communicating the Race Equality Message Effectively) ፕሮጀክት ናይ
ሓበሬታ ሉሓት
OnRoad Media

4. ታሪኽ ወይ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘሎ ሓቂ ንምክፋል ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ምስራሕ፡


▪ ናጻ ስልጠና ክትረክብን ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽን ናይ ጥብቅና መሰላት ስደተኛታትን መን
ከምዝሰርሕን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፣ IMIXን ኣብነት ከም Refugee Action

5. ን ማሕበረሰብካን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ትካላትን ደገፍ ግበር።


• ተሳትፎ ብምክያድካ ትካላት ካብ ገዛኻ ተገዲድካ ናብ ስደት ምውጻእ እንታይ ማለት ከምዝኾነክርድኡ ተተባብዖም ኣለኻ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ድሕሬኻ ዝመጹ ሰባት ዘቕርቡዎኣገልግሎታት ዝሓሸ ክኾን ኣብ ምግባር ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
• ትካላት፣ እተን ናይ ግብረሰናይ ስራሕቲ ዝሰርሓ ሓዊሱ ስራሕተን ንምስራሕ ኣብ ደገፍ ኣባላትማሕበረሰብ እየን ዝምርኮሳ።

Logo for Asylum Migration and Integration Fund

Logo for Refugee Integration Yorkshire and Humber

Contact us

For more information, please contact us at:
admin@migrationyorkshire.org.uk