ምትእስሳራት ምፍጣር፣ ጽንዓት ምህናጽ፡ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ስትራቴጂ ምውህሃድ ስደተኛታት- መጠቓለሊ

Image
A young male refugee

መእተዊ

እዚ ሕትመት እዚ ኣካል ናይ ሓደ፣ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ዝተብሃለ ዓብዪ ፕሮጀክት ኣዩ፣ ካብ'ቶም እቲ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዘሎ ምምሕዳር ፍሰት ስደተኝነት ዝበለጸ ስሉጥ ክኸውን ዕላማ ገይሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ፈንድ ስደትን ውህደትን ዑቕባ ሕብረት ኤውሮጳን ገንዘባዊ ሓገዝ ዝግበረሉ እዩ። እቶም ኣብ'ዚ ሕተመት ውሽጢ ዘለዉ ትሕዝቶታት Migration Yorkshire ብብሕታውነት ሓላፍነት ዝወስደሎም እምበር ፈጺሞም ናይ'ቶም ገንዘባዊ ሓገዝ ዝሃቡ ኣካላት፣ ኮሚሽን ኤውሮጳ ወይ ድማ ናይ ሓላፍነት ዝስከም በዓል መዚ ዓባይ ብሪጣንያ (UKRA) ምልክታ ወይ ርኢቶ ዝገልጹ ኣይኮኑን። ኮሚሽን ኤውሮጳ ይኹን UKRA ነቲ ካብ'ዚ ሕትመት እዚ ዝርከብ ሓበሬታ ዝህሉ ኣጠቓቕማ ሓላፍነት የብሎምን።

ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ነቶም ካብ ውግኣትን ምፍርራሓትን ማእሰርተን ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት ውሕስና ክረኽቡ ናይ ምግባር ዘኹርዕ ታሪኽ ኣለዎም። ዞባና ብዙሕ ግዜኣብ ጉዳያት ስደተኛታትን ዑቕባን ድልዱል ኣመራርሓ ኣርእዩ እዩ። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ምትእስሳር ስደተኛታት ብዙሓት ኣብነታት ዝርከቡዎ እዩ። ይኹን እምበር፣ ገና ብዙሕ ክግበር ዘለዎ ነገር ኣሎ። ሐዚ እውን ስራሕቲ ምትእስሳር ኣጸጋሚ ክኾን ዝገብሮ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ኣለዉ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ናይ'ቲ ኣብ መፈለምታታት 2022 ዝተበገስ ናይ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ሓድሽ ስትራቴጂ ምትእስሳር ስደተኛታት፣'ምትእስሳራት ምፍጣር፣ ጽንዓት ምህናጽ' መጠቓለሊ እዩ። ነቲ ስትራተጂ ዝመርሑን ዝገልጹን ራእይን ክብርታትን ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ዝተለለዩ ቀዳምነታት ምትእስሳር ዘጠቓልል እዩ። ምስ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሰብ ብርኪ ድሕሪ ዝተኻየደ ምምኽኻር ዝማዕበለ ኮይኑ፣ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ'ዚ ሰነድ ብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣብ ናይ Migration Yorkshire ወብ ሳይት(www.migrationyorkshire.org.uk) ክርከብ ይኽእል እዩ። እቲ ስትራቴጂ ብሓድሽ ናይ ስደተኛታት ምትእስሳር ፎረም ክትትል እናተገበረሉ ይርከብ።

እዚ ሓዱሽ ስትራተጂ ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ጂኦግራፍያዊ ከባቢታትን ዝመፁ መዳርግቲ ኣካላት ንምድጋፍ ከም መሳርሒ ኮይኑ ዝተዳለወ እዩ። እዚ ናይ'ቶም ኣብ ዞባና ዝርከብ ናይ ስደተኛታት ምትእስሳር ዝምልከት ፕሮፋይል ክብ ከብልን ናይ'ቶም ኣብዚ ዝነብሩ ስደተኛታት ውጽኢት ንምምሕያሽ ክሕግዝን እዩ። እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ስትራተጂካዊ ቀዳምነታት ባህጊ ዝብል እዩ ኮይኖም፡ ቁልፊ ኣካል ናይ'ቲ ኣብ ዮርክሻየርን ሑምበርን ዝህሉ ስራሕቲ ምትእስሳር ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ ዘለና ራእይ እዮም። ግን ድማ ገና ብዙሕ ስራሕ ዝተርፍ ብምዃኑ፣ ራእይና ኣብ ምፍጻም ክትሕግዙና ተስፋ ንገብር።

እዚ መጠቓለሊ እዚ እቲ ስትራቴጂ፣ ነቶም ካብ ውግእ፣ ምፍርራሕን ማእሰርቲን ናይ ምህዳም ተሞክሮ ዘለዎም ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተትቲን ተበጻሓይ ክኾንን ዝዓለመ ኮይኑ፣ በዚ ድማ ናይ'ቲ መስርሕ ምትእስሳር/ውህደት ወናኒ ክትኮን ይዕድመካ። ነቲ ዘለካ ክእለት ቋንቋ እንግሊዘኛ ብትምህርቲ ብምሕያሽ፣ ወለንታዊ ተግባራት ብምፍጻም፣ ስልጠና ብምውሳድ፣ ትምህርቲ ብምምሃር፣ ብምስራሕን ከምኡ ድማ ምስ'ቶም ኣብ'ቲ ትነብረሉ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ሓደሽቲ ሰባት ብምርኻብን፣ ነዚ ዞባና ዝረብሑን ሃፍታም ዝገብሩን ክእለታት፣ ሓሳባትን ተሞክሮታትን ተበርክት ኣለኻ ማለት እዩ። ዞባና ካብ ኲናትን ስደትን ናይ ምህዳም ተመኩሮ ዝነበሮም ሰባት ብቐጻሊ ክቕበል ኣብ ምግባርን ዝበለጸ ናይ ውህደት ኣገልግሎት ንምምዕባልን ብሓባር እንተሰሪሕና፣ እዚ ሓድሽ ስትራተጂ ዝያዳ ስራሕቲ ክነዕውት ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

ራእይን ክብርታትን

“ዮርክሻየርን ሑምበርን ስደተኛታት ውሕስነትን ተቐባልነትን ተሰሚዕዎም ዝነብሩሉ፡ ህይወቶም ዳግማይ ዝሃንጹሉ፡ ባህግታቶም ዝፍጽሙሉን ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን ህይወት ናይቶም ዝነብሩሉ ማሕበረሰባት ኣበርክቶ ዝገብሩሉ ዞባ’ዩ”

እዚ ራእይ እዚ ንዓና ከም ዞባ ዝገልጹናን ነቶም እንህቦም ኣገልግሎታት፣ እንሕንጽጾም ፖሊሲታትን ብዛዕባ እቶም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዘለና ኣራእያ ሓዊሱ ንኹሎም ንስራሕቲ ምትእስሳር ስደተኛታት እንገብሮም ስራሕቲ ዝመርሑ ክብርታት ዝሓዘ እዩ። እቶም ክብርታት ካብ ኲናትን ስደትን ዝሃድሙ ሰባት ኣብ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ህይወቶም ዳግማይ ክሃንጹ ከለዉ እንታይ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ነቶም ንውህደት ዝዕንቅፉ ነገራት ንምምካት ዝሕግዙና እዮም።

እቶም ክብርታትና

  • እንቋዕ ደሓን መጻእኻ - ስደተኛታት ኣብ'ቲ ዝሰፈሩሉ ማሕበረሰብ ድሕነትን ክንክንን ይረኽቡ
  • ኣሳታፍነት - ኣገልግሎታትን እቲ ማሕበረሰብን መሰናኽላት ኣብ ምእላይ ብንቕሓት ይሰርሑን ናይ'ቶም ስደተኛታት ድልየታት ንምምላእ ብቕዓት ዘለዎም እዮም
  • ምትሕግጋዝ - መዳርግቲ ኣካላት ናይ ሕድሕድ ጥንካረታት ብዘለለየ መልክዑ ብተረርቲን ቀጻልነት ዘለዎም ሽርክናታት ብሓባር ይሰርሑ
  • ዕድል - ስደተኛታት ህይወቶም ክሃንጹ፣ ሕልምታቶም ከማልኡን ከምኡ ድማ ናብ'ቲ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ክገብሩን ይኽእሉ እዮም
  • ማዕርነት - ስደተኛታት ዝተፈለዩ ባህሪያት፣ ድልየታትን ሕልምታትን ዘለዎም እዮም በዚ ድማ ፍትሓዊ ዝኾነ ኣታሕዛ ይግበረሎም

ስትራቴጂካዊ ቀዳምነታት

መንበሪ ገዛን ከባቢን
  • ኩሎም ስደተኛታት ብዛዕባ ኣማራጺታት ኣባይቲ፡ መሰላትን ሓላፍነታትን ዝምልከት ሓበሬታ ሓዊሱ፡ እዋናዊን ጽቡቕ ጽሬት ዘለዎን ናይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ደገፍን ኣገልግሎታት ጎስጓስን ይረኽቡ
  • ኩሎም ናይ ዑቕባ ሓትቲ ዝቐርቡሎም ቀረባት ናይ ከባቢያዊ ሰብ መዚ ደረጃ ጽርየት ዝሓለዉ ኮይኖም እቶም ከባቢያዊ መዳርግቲ ኣካላት ድማ ን መስርሕ ዕድጊትን ምስ ደረጃ ጽርየት ዘለዎ ስምምዕን ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም
  • ኣብ ፍልይ ዝበሉን ርሕቕ ዝበሉን ቦታታት ወይ ድማ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊታት ዝተዓቖቡ ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተትቲን ብዝተፈላለዩ ቀረባት ኣገልግሎታት ክረኽቡ ወይ ከም ኣድላይነቱ ድማ ኣብ መጎዓዚያ ሓገዝ ከረኽቡ ይኽእሉ እዮም
  • ነቶም ብዘይ ኣላዪ ዑቕባ ዝሓትት ቆልዓ ተባሂሎም ዝተፈልዩ ቆልዑ ምስ ሓብሐብቲ ምስ ዝወሃብ ደገፍ ብሓባር ኣብ ስድራቤት መሰረት ዝገበሩ ምደባታት ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም
  • እቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ተቐባሊን ምሕዝነታዊን ከባቢታት ይቕመጡ፣ ናይ ከባቢ ሓበሬታ ይረኽቡ፣ ከምኡ’ውን ከም ድኳናት፣ ዕዳጋታት፣ መናፈሻታትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ዝበሉ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ቦታታት ብዘይ ስግኣት ክጥቀሙ ይኽእሉ

 

ቁጠባዊ ውህደት
  • ናይ'ቶም ስደተኛታት ክእለታት፣ ናይ ትምህርቲ መረዳእታታትን ናይ ስራሕ ልምዲን ኣብ'ቲ ቀዲሙ ዘጋጥም ዕድል ክግምገሙን ኣፍልጦ ክወሃቦምን እዩ
  • ኩሎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ናይ ድሕነት ደገፍ ወይ ህጹጽ ረድኤት ይረኽቡ፣ እዚ ድማ ድኽነት ዝከላኸል እዩ
  • ስደተኛታት ነቶም ዝህልዉዎም ብዙሕነት ዝተላበሱ ጠለባት ዘማልኡን ምስ'ቲ ናይ'ቲ ከባቢ ዕዳጋ ምትእስሳር ዘለዎምን ንዓኦም ተባሂሎም ዝተዳለዉን ቀጻልነት ዘለዎምን መደባት ደገፍ ምምዕባል ዕድል ስራሕን ንግዲን ክቐርቡሎም እዮም
  • ስደተኛታት ንሕልሚታቶም ዘዐውቱን ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ዝውስኹን ናይ ልዑል ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ ወለንታዊ ስራሕቲን ናይ ስራሕ ልምዲን ዕድላት ከቐርቡሎም እዮም
  • ኣስራሕቲን ንግዳዊ ትካላትን እቶም ስደተኛታት ዘልዉዎም መሰላትን ጠለባትን ዝፈልጡ ኮይኖም ናይ ስደተኛታት ስራሕ ምርካብ ድማ ብንቕሓት ዝድግፉ እዮም

 

ጥዕናን ድሕንነትን
  • ስደተኛታትን ናይ ዑቕባ ሓተትቲን ድሕሪ ምብጻሖም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ ጥዕና ምርመራ ክግበረሎም፣ ህጹጽ ሕክምናን ክታበትን ክረኽቡን ከምኡ ድማ ኣብ'ቶም ኣብ'ቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ሓካይምን ናይ ስኒ ሓካይምን ክምዘገቡ ደገፍ ክግበረሎም እዩ
  • ስደተኛታትን ናይ ዑቕባ ሓተትቲን፣ ነቶም ከም ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝበሉ ብዝበለጸ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ጉጅለታትን ሓዊሱ፣ መሰላቶም ክፍለጡ፣NHSን ማሕበራዊ ክንክን ኣብ'ቲ ዞባ ብኸመይ ከምዝሰርሑ ክርድኡን ዘድልዮዎም ኣገልግሎታት ከረኽቡን እዮም
  • ስደተኛታትን ዑቕባ ሓትቲን፣ን ናይ ጥዕና ጉጅለታትን ንጥፈታትን ሓዊሱ፣ ንጠለባቶም ዘማልኡ ጽቡቕ ምህላዱ ደረጃ ጽርየት ዘለዎም ናይ ኣእምሮ ጥዕና ናይ ድሕንነትን ኣገልግሎታት ክረኽቡ እዮም
  • ኩሎም ናይ ጥዕናንን ናይ ድሕንነትን ኣገልግሎታት ብመሰረት መምርሒታት NHS፣ ጽቡቕ ደረጃ ጽርየት ዘለዎምን፣ ሞያዊ ዝኾኑን ናይ ትርጉም ኣገልግሎታት የቕርቡ እዮም
  • ስደተኛታትን ናይ ዑቕባ ሓተትቲን ን ናይ ጥዕና ጎስጓሳትን ናይ ኣፍልጦ መደባትን ተሳተፍቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ኮይኖም፣ እቶም ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ድማ ናይ ኣብ ዙርያ ጥዕና ዘለዉ ዘይማዕርነታት ኣብ ምእላይ ብንቕሓት ስራሕ ክሰርሑ እዮም

 

ማሕበረስብን ስምዒት ኣባልነትን
  • ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ፣ በ'ቶም ኣብ ከባቢያዊ ዝኾኑ ናይ መንበሪ ሰፈራት፣ ሕብረተሰባዊን ማሕበራዊን ኣቀማምጣታት፣ ናይ ከባቢ መራኸቢ ሓፋሽ ተጠቒሞም ነቶም ስደተኛታትን ናይ ዑቕባ ሓተቲን ተቐባሊ ዝኾነ ሃዋህው ክህሉ ይገብሩ
  • ስደተኛታት ምስ'ቶም ካብ ኩሉ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ቀጻልነት ዘለዎ ርክብ ይሃንጹን፣ ካብ'ዚ ብተወሳኺ ድማ ምስ ካልኦት ንምርኻብ ዘኽእሉዎም ትርጉም ዘለዎም ዕድላት ብስሩዕ ኣገባብ ይረኽቡን እዮም
  • ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዎም መሰላትን ሓላፍነታትን ይፈልጡን፣ ከም ኣድላይነቱ ድማ ጽቡቕ ደረጃ ጽሬት ዘለዎ ሕጋዊ ምኽርን ውክልናን ይረኽቡ
  • ስደተኛታት ውሕስነት ይስምዖም፣ ምስ ፖሊስን ካልኦት ሰበስልጣንን ምትእምማን ዝፈጥር ዝምድናታት የማዕብሉ፣ ገበን ብፍላይ ድማ ናይ ጽልኢ ገበን ኣብ ምሕባር ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎም
  • ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሴክተራት ባህሊ፡ ትርፊ ግዜን ስፖርትን፡ ውሑሳት፣ ተበጻሕትን ተቐበልቲን ንጥፈታት ብምቕራብ ስደተኛታት ኣብ ምውህሃድ ብንጥፈት ኣብ ምስራሕ ይርከቡ

 

ስድራቤታትን መናእሰይን
  • ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ህጻናት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ በጽሑ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ኣብ ውሑሳትን ተቐባልቲ ዝኾኑን ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን ብምእታው ትምህርቲ ክረኽቡ ይኽእሉ
  • ስደተኛታት ኣብ ጉዳይ ምክትታል ስድራቤትን ዳግመ ርክብ ስድራቤትን ሓበሬታ፣ ምኽርን ደገፍን ይረኽቡ
  • ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ንከም ምሕላው መሰል ህጻናትን ዘቤታዊ ግህሰትን ዝምልከቱ ኣብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዉዎም መሰላትን ሓላፍነታትን ይፈልጡን ባህሊ ብዝምልከት ጥንቃቐ ዝግበሮም ምኽርታትን ናይ ደገፍ ኣገልግሎታትን ይረኽቡ እዮም
  • ምቹእን ተበጻሒን ዝኽነ ኣገልግሎት ክንክን ህጻናትን ካልኦት ናይ ስድራቤት ደገፋት ንኹሎም ዘድልዮም ዘበሉ ናይ ስደተኛታት ስድራቤታትን ኣባላት ስድራቤትን ይቐርቡ እዮም 
  • እቶም መንእሰያት ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፣ ነቶም ብዘይ ኣላዪ ዑቕባ ዝሓትት ቆልዓ ከምኡ ድማ እቶም ካብ ማሕበራዊ ክንክን ወጻእ ዝኾኑ መንእሰያት (ብፍላይ ድማ ዕድመኦም 18ን ልዕሊኡን ዝኾኖም)ውሕስነት ክስመዖም፣ ደገፍ ክረኽቡ፣ ከምኡ ድማ ክሓውዩ ዘኽእሉዎም ዕድላት ክቐርቡሎምን ኣብ'ቲ ሓድሽ ማሕበረሰቦም ድማ ክምዕብሉን ሽቶታት ንምዕዋት ክጽዕሩን ምኽኣል

 

ቋንቋን ርክብን
  • እቶም ምስ ቋንቋ እንግሊዘኛ ዝተዛመዱ ጠለባት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ'ቲ ዞባ ድሕሪ ምብጻሖም ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ቀጻልነት ዘለዎምን ኩለመዳያዊ ዝኾኑን መሳርሒታት ብምጥቃም ገምጋም ክግበሮም እዩ
  • ኩሎም ኣብ መላእ እዚ ዞባ ዘለዉ ዓይነታት ኣገልግሎት እንግሊዝኛ ንተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት (ESOL) ስሉጥ ብዝኾነኣገባብ ዝስነዱንዝጋውሑን ኮይኖም፣ ስደተኛታት ድማ ኣብ ከባቢኦም ዘድልዩዎም ኣገልግሎታት ክረኽቡ እዮም
  • ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ን ዘይስሩዓት ዕድላት ትምህርቲ ሓዊሱ፡ ምስ ውልቃዊ ድሌታቶምን ባህግታቶምን ዝሰማማዕ ዝተፈላለየ ኣቀራርባ ESOL ይረኽቡ
  • ኣገልግሎታትን ትካላትን ንዝተተርጎሙ ተበጻሕቲ ዝኾኑ ናውቲታት ምቕራብ ሓዊሱ፣ ምስ ኩነታት ዝስመምዑ፣ ጽቡቕ ደረጃ ጽርየት ዘለዎምን ብክኢላታት ዝወሃቡን ናይ ትርጉም ኣገልግሎታት የቕርቡ
  • ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዲጂታል ተሳታፍነት ዘለዎም ኮይኖም፡ ብኢንተርነት ኣገልግሎትን ደገፍን ንምርካብ ዘኽእሎም ክእለት፡ መሳርሕታትን ናይ ኢንተርኔት ርክብን ኣለዎም

 

ሓበሬታን ዳታን
  • እተን ኣብ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ዝርከባ ኣገልግሎታትን ትካላትን ብዛዕባ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝምልከት ሓበሬታን ፍልፍላት ዳታን ክረኽባን ስሉጥ ብዝኾነ መንገዲ ክጥቀማሉን ይኽእላ
  • ኣገልግሎታትን ትካላትን ብዛዕባ ውህደት ስደተኛታት ዝምልከት ዳታን ሓበሬታን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ፡ ምስ ሕጊ ሓለዋ ዳታ ብዝሰማማዕ መልክዑ፡ ቀጻሊ ብዝኾነ፡ ስሉጥን ድልዱልን ብዝኾነ መንገዲ ይእክባ፡ ይዕቅባን የካፍላን እየን።
  • ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ምርምርን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እቲ ክልል ኣብ ጉዳያት ቀዳምነት ዝወሃቦም ክፍተታት ሓበሬታ ብምልላይን ውፅኢታዊ ምዝርጋሕ ውፅኢት ምርምር ምዕባይን ስሩዕ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ኣሎ
  • ማሕበረሰባት ስደተኛታት ኣብ ምፍራይ ዳታ፣ መጽናዕትን ሓበሬታን ብዛዕባ ውህደት ይነጥፉ
  • ጽልዋታት እቶም ኣገልግሎታትን ምትእትታዋትን ኣብ ውህደት ስደተኛታት ብቐጻሊ በቶም ወሃብቲ ኣገልግሎትን ነጻ ተመራመርትን ክትትል ይግበሮምን ይግምገሙን እዮም

 

መደብ ን ቀረብን ኣገልግሎት
  • እቲ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎታት ዝርከብ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንግስታዊ ሴክተራት ዘሎ ኣመራርሓ፣ንውህደት ስደተኛታትን ከምኡ ድማ ተቐባሊን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣገልግሎት ንምምዕባልል ተወፋይነት ኣለዎ
  • ኣገልግሎታት ነቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣወንታዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጉስጉሱ ኮይኖም፣ ኣገልግሎታት ኣብ ምርካብ ዘጋጥሙዎም ዘይፍትሓውነት ኣብ ምእላይ ዘድልዩ ጸጋትት ይምድባ
  • ናይ ስደተኛታት ውህደት ን ኮሚሽን ወሃብቲ፣ ምልመላ፣ ትምህርቲን ልምዓትን ሓዊሱ ኣብ መልእ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት፣ ትካላትን ዝተኣሳሰረ እዩ
  • ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኩሎም እቶም ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ጠለባት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዘተኮረ ግቡእ ስልጠና ክወሃቦምን ክገብሩን እቲ ስልጠና ድማ በቢእዋኑ ክሕደስን ኣለዎ
  • እቶም ኣብ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኩሉመዳያዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታትን የማዕብሉን፣ ኣብ ነንሕድሕዶም ድማ ድልዱላት ብዝኾነ ሽርክናታትን፣ ናይ ሪፈራል ኣዋሃባትታትን ከምኡ ድማ ናይ ሓባር ኣዋሃብ ኮሚሽንን ኣቢሎም ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ብሽርክና ይሰርሑ

 

እቲ ወለንታዊን ናይ ማሕበረሰብን ሴክተር (VCS)
  • እቶም ኣብ ዮርክሻየር ከምኡውን ሑምበር ዝርከቡ ናይ ስደተኛታት ወለንታዊን ናይ ማሕበረሰብን ሴክተራት ን ናይ ስደተኛታት ውህደት ብዝምልከት ዘድሊ ፍልጠትን ክእለትን ንምምዕባልን ንምዕቃብን ዘኽእሎም ቀጻልነት ዘለዎ ምወላ ይረኽቡ
  • እቶም ኣብ ህዝባዊን ናይ ብሕትን ሴክተራት ዝርከቡ ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት፣ ብዛዕባ እቶም ናይ ስደተኛታትናይ ወለንታዊን ናይ ማሕበረሰብን ሴክተር ዘለዎም ጥንካረ ኣፍልጦ ዘለዎም እንተኾኑ፣ ምስ'ዚ ሴክተር ድማ ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ብሓባር ይሰርሑ
  • ኩሎም ኣብ'ቲ ዞባ ዝርከቡ ዝምልከቶም ከባቢያዊ ኣካላት፣ ድሙቓት፣ ብዝግባእ ዝምወሉን ናይ ስደተኛታት ናይ ወለንታዊ ስራሕን ናይ ማሕበረሰብን ጉጅለታትን ትካላትን ዘለዉዎም እዮም
  • ዮርክሻየር ን ሑምበርን ነቶም ናይ ስደተኛ ማሕበረሰባት ዝውክሉ ድልዱልን ሓያልን ናይ ስደተኛታት ማሕበረሰባዊ ትካላት ኣለዉዎም
  • እዚ ኣብ'ዚ ዞባ ዝርከብ VCS፣ ንስደተኛታት፡ ሓተቲ ዑቕባ፡ ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ኣብ ውህደት ኣበርክቶ ክገብሩ ንዝደልዩ ትርጉም ዘለዎ ናይ ወለንታዊ ዕድላት ይህብ

 

ተሳትፎ
  • ስደተኛታት ኣብ መላእ እዚ ዞባ ኣብ ዝርከቡ ሓይሊ ስራሕ፣ ቦርድ፣ ሽርክነትን መሪሕነታዊ ቦታታትን ትርጉም ዘለዎ ውክልና ኣለዎም
  • ስደተኛታት ብዘለዉ ናይ ተሳትፎ መድረኻትን ኣገባባትን ኣቢሎም ኣብ ናይ ኣገልግሎታትን ትካላትን ቅርጺ ምትሓዝ ይነጥፉ
  • ስደተኛታት ኣብ መስርሕ ውህደት ጽልዋ ኣብ ዘለዎም ነጻ መድረኻትን ትካላትን ሓሳባቶም ከስምዑ ይኽእሉ
  • ኣገልግሎታት፡ ትካላትን ከባብያዊ ማሕበረሰባትን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስደተኛታት ዘጋጥሙዎም ዕንቅፋታት ኣብ ምምካት ብንጥፈት ዝሰርሑ ኮይኖም፡ ከምኡ’ውን ንተሳትፎ እኹል ምትብባዕ ይህቡ
  • ስደተኛታት ነቲ ዘሎ ኣተሓሳስባ ወይ ተረኽ ኣብ ዝተፈላለዩ መራኽብቲ ሓፋሽ ብምቕራብ ቅርጺ ከትሕዙዎ ይኽእሉ እዮም በዚ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ'ቲ ዞባ ኣብ ዘጋጥም ተገዲድካ ተካይዶ ስደተኝነትን ምሕታት ዑቕባን ዘለዉ ኣረኣእያ ክጸልዉ ይኽእሉ

Logo for Asylum Migration and Integration Fund

Logo for Refugee Integration Yorkshire and Humber

Contact us

For more information, please contact us at:
admin@migrationyorkshire.org.uk