Right to work in the UK

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምስራሕ መሰል

ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዜጋታት እንተደኣ ዘይኮይንኩም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምስራሕ መሰል ከምዘለኩም ከተረጋግጹ የድልየኩም።ኣስራሕቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንሓደ ሰራሕተኛ እንተደኣ ቆጺሮም፡ ብገንዘብን ክሳብ ማእሰርቲ`ውን ዝኸይድ መቕጻዕትን ክቃልዑ ይኽእሉ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ናይ ስራሕ ቪዛ ኣለዉ። እቶም ዝርዝር ድማ ኩሉ ጊዜ ብስሩዕ መንገዲ እንዳተመሓየሹ ይኸዱ። እንተደኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከስረሐኩም ዘኽእል ብቑዕ ቪዛ ኣለኩም ኮይኑ፡ ነዚ ናይ ኢንተርነት ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ተጠቐሙ።

 

ናይ ምስራሕ መሰል ንምርግጋጽ

እንተደኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምስራሕ መሰል ንምርግጋጽ ናይ ስደተኛ ኩነታትኩም ብኢንተርነት ክትርእይዎ ተነጊሩኩም፡ መካፈሊ ኮድ ክወሃበኩም ይከኣል ኢዩ። እቲ ኮድ ን30 መዓልቲ ጥራሕ ዘገልግል ኮይኑ፡ ምስ ኣስራሕቲ`ውን ከራኽብ ዝኽእልን ንሳቶም ድማ ከፊቶም ክርእይዎ ዝኽእሉን ኢዩ።

  •  ንስኻትኩም ክትሰርሕዎ ዝፍቀደልኩም ዓይነት ስራሕ
  •  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽንደይ እዋን ኢኹም ክትሰርሑ እትኽእሉ?
  •  ዝኾነ ይግበኣና`ዩ ትብሉዎ/ትወስድዎ ረብሓታት ወይ ድማ ናይ NHS ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ዕድላት እንተለኩም፡
  •  ናይ ባንኪ ሒሳብ ክትከፍቱ ትኽእሉ እንተኾይንኩ፡

ነቲ ናይ ኢንተርነት ኮድ ክትጥቀሙሉ ይከኣል ኢዩ፡ እዚ ድማ ብመገዲ ናይ መንግስቲ መርበብ ሓበሬታ ተጠቒምኩም እዩ። ዘድልየኩም ሰነዳት ንምጥቃስ ዝኣክል፦ ናይ ፓስፖርት ወይ ናይ መንነት ካርድ፡ ናይ ባዮ-መትሪክ መንበሪ ፍቓድ፡(BRP) ወይ ድማ ቪዛን ናይ ባዮ-መትሪክ መንበሪ ፍቓድ ቁጽሪ ካርድ።
ቁጽሪ ሃገራዊ

 

ቁጽሪ ሃገራዊ መድሕን እንታይ ኢዩ?

NINO ዝብል ቃል ንቁጽሪ ሃገራዊ መድሕን ዝውክል ኮይኑ፡ መወከሲ ቁጽሪ ናይ ኣከፋፍላ ቀረጽን፡ ሃገራዊ መድሕንን ከምኡ`ውን መሕተት ረብሓታትን የጠቓልል።
ናይ ብሪጣኒያ ዜጋታት ቁጽሪ ሃገራዊ መድሕን ኣብ 16 ዕድመኦም ይቕበሉዎ። ስደተኛታት`ውን NINO ይውህቦም ኢዩ። ይኹን ደኣምበር እዚ ንኹሉ ናይ ስራሕ መሰል ንዘለዎ ይምልከቶ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ከተመልክቱ ከድልየኩም ይኽእል እዩ
ብዘይ NINO ስራሕ ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም ግን ሓደ ኣብርክቶ ኣብ ሃገራዊ መድሕንን እቲ ዝኽፈል ቀረጽን ብትኽክል ብስምኩም ተመዝጊቡ ከምዘሎ ምርግጋጽ የድሊ።እዚ ንክኸውን ክሳብ 16 ሰሙናት ስለዝወስድ ቅልጥፍ ኢልካ ምጅማር ውጽኢታዊ ኢዩ።

 

ሕጽረት ናይስራሕ ዝርዝራት

እቲ ሕጽረት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዝርዝራት ክበሃል እንከሎ ናይ ዕዮ ዝርዝራት ኮይኑ፣ እንግሊዛውያን ናይ ቢዝነስ ሰባትን ኣስራሕትን ብሕጽረት ናይ ሰራሕተኛታት ይጽገሙ ኢዮም።
ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ። ግን ብዘይ ናቶም ኣበሳ ሕቶኦም ልዕሊ 12 ኣዋርሕ እንተወሲዱን ምስዚ ብዝሰማማዕ መንገዲ ናይ ስራሕ ብቕዓት እንተደኣ ኣለዎምን ኮይኖም፣ ኣብ’ቲ ሕጽረት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዝርዝራት ከመልክቱ መሰል ኣለዎም።
ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ስራሕ ናይ ምስራሕ መሰል ምእንቲ ክትረኽቡ፡ ናብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤት ጽሕፈት ቪዛን ጉዳይ ስደተኛታትን ብምጽሓፍ ከተመልክቱ ኣለኩም።

 

ናይ ምግላጽን ምኽልካልን ኣገልግሎት

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ብዙሓት ስራሕቲ፣ ምጽራይ ድሕረ-ባይታዊ ናይ ገበን መዛግብቲ ይደልዩ ኢዮም። እዚኦም ኩሉ ጊዜ ምስ ቆልዑን ምስ ዓበይትን ምስ ኣካለ-ጎደሎ ዝኾኑ ሰባትን ብምስራሕ ይሳተፉ።
እዚ ናይ ምግላጽን ምኽልካልን ኣገልግሎት (The Disclosure and Barring Service)፡ (DBS) ሓደ መንገዲ ነቲ ኣስራሕቲ ብዛዕባ ናትኩም ናይ ገበን መዝገብኩም ዝገብሩዎ መርመራ ኢዩ። መርመራ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንግሊዝ ጥራሕ ኢዩ ዝካየድ። እንተደኣ ኣብዞም ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘይተቐሚጥኩም፡ በዓል ጽቡቕ ስነ-ምግባር፡ ዝብል ካብ ሃገርኩም መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ክወሃበኩም ከተመልክቱ የድሊየኩም። እቲ ናይ ምምልካት መስርሕ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ
እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ካብ ሃገርኩም ክትረኽቡ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እቲ ዝሓሸ ምስቶም ኣስራሕቲ ብዛዕባ ካልእ ኣማራጺታት ናይ ምርግጋጽ መስርሓት ምዝራቦም ዝሓሸ እዩ። ንኣብነት ተወሰኽቲ መወከሲ ጠባያት ናይ ሓደ ሰብ። ከም ተወሳኺ`ውን ብሕጋውያን ሞያውያን ክኢላታት ገይርኩም ናይ ቃለ-ማሕላ መስርሕ ክግበር ይከኣል ኢዩ።
ገለ ናይ ገበን ፍርዲ ዝተዋህቦም ውሳኔታት`ውን ከም ዝተዛዘሙ መግለጺ ምግባር ኣድላይ ኣይኮነን። ስለዚ`ምበኣር እቶም ሕግታት ዝተሓላለኹ ስለዝኾኑ፡ ዝኾነ ገበናዊ ፍርዲ ዝህልወኩም`ሞ እቲ ኣስራሓይ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝሓተኩም እቲ ዝበለጸ፡ ምኽሪ ከምትረኽቡ ምጽዓር ኢዩ።

ቀንዲ ነጥብታት

1. ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ቅኑዕ ሰነዳት፡ ምስራሕ ዘይሕጋዊ ኢዩ።
2. ኣስራሕቲ ድማ ብዛዕባ ንስራሕ ዘለኩም ብቕዓት share code ክውከሱኹም ኣለዎም።
3. ስራሕ ንኽትሰርሑ ወይ ዝኾነ ዝኾነ ረብሓታት ንኽትሓቱ፡ ናይ ሃገራዊ መድሕን ቁጽሪ ንምርካብ ከተመልክቱ የድሊ።
4. ዝበዝሐ ናይ ስራሕ ትካላት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ DBS ዝተባህለ ናይ ገበን መዛግብቲ ምፍታሽን ምምርማርን የካይዳ።
Last updated: 23rd August 2023